ህፃናት ትግራይ ስሩዕ ክታበት ብዘይምርካቦም ወሎዶዊ ዘላቕነት ኣብ ሓደጋ ምውዳቑ ተሓቢሩ።

ህፃናት ትግራይ ንክልተ ዓመት ግልጋሎት ስሩዕ ክታበት ብዘይምርካቦም ወለዶኣዊ ዘላቕነት ህዝቢ ትግራይ ንሓደጋ ከምዝተቓለዐ ተገሊፁ።

ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ መተሓባበሪ ኬዝቲም ኣዴታትን ህፃናትን ኣይተ ገብረሃወርያ ገብረክርስቶስ ብመሰረት ዓለምለኻዊ መለክዒ ካብ ጠቕላላ በዝሒ ህዝቢ ትግራይ 3.4% ህፃናት ብምዃኖም ክኽተቡ ከምዝግበኦም ብምጥቃስ ቀረብ መድሓኒት ክታበት ስለዘየለ ከምዘይተኸተቡ ሓቢሩ።

“ኣብ ውሽጢ 2 ዓመታት ኣብ ወርሒ መጋቢት 2013 ዓ.ም ጥራሕ ንሽዱሽተ ሰሙናት ጥራሕ ዘገልግል ክታበት ብትካላት ገበርቲ ሰናይ” ምምፅኡ ዝጠቐሰ እቲ መተሓባበሪ “እዚ ድማ ካብቲ ሓፈሻዊ ጠለብ 1%” እውን ከይሸፈነ ከምዝተወደአ ኣረዲኡ።

ንልዕሊ ክልተ ዓመት ትግራይ ናውቲ ስሩዕ ክታበት ዘይምርካባ “ከም ንፍዮ ፖልዮ ዝበሉ ኣብ ትግራይ ቅድሚ 10ታት ዓመታት ዝጠፍኡ ለበዳታት ዳግም ክለዓሉን ወለዶኣዊ ዘላቕነት እቲ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ክወድቕን” ከምዝገበረ ኣይተ ገብረሃወርያ ተዛሪቡ።

መንግስቲ ትግራይ ንትካል መድሕን ህፃናትን ውድብ ጥዕና ዓለምን ሓዊሱ ንትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ናውቲ ስሩዕ ክታበት ከቕርቡ ከምዝሓተተ ዝሓበረ መተሓባበሪ ኬዝቲም ኣዴታትን ህፃናትን እቲ ቢሮ ኣይተ ገብረሃወርያ ገብረክርስቶስ “ክሳብ ሐዚ ዝተውሃበና ምላሽ የለን” ክብል ገሊፁ።

ብቕልጡፍ ዝዛመቱ ለበዳታት ንፍዮን ፖልዮን ብኽታበት ክከላኸል ዝፀነሐ ስርዓት ጥዕና ትግራይ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተነበረ ሰብ ሰራሕ ዕፅዋ ምቅዋስ ስርዓት ጥዕና ስለዘስዓበ ኣብ ህፃናት ዝኽሰቱ ለበዳታት ንምክልኻል ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘይብሉ ሓቢሩ።