ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበናት ኲናት ዝምልከት ሓበሬታ ዘለዎ ኣካል ንመርማሪት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ጥቆማ ክህብ ፃውዒት ቀሪቡ።

ዓለምለኸ ጉጅለ መርማሪት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሑቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ኲናት ንምምርማር ዉልቀ ሰባት፣ጉጅለታትን ትካላትን ዝፈልጥዎ ሓበሬታ ከካፍሉ ፀዊዓ።

ከምኡ እውን ካብ ምጅማር ኩናት ትግራይ ኣትሒዙ ዝተፈፀሙ ዓለም ለኻዊ ገበናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣፍልጦ ወይ መረዳእታ ዘለዎ ዝኾነ ኣካል ሓበሬታ ብቋንቋ ትግርኛ ሓዊሱ ጥቆማ ከምእትቕበል ሓቢራ።

ስለዝኾነ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ከምኡ ውን ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈፀሙ ገበናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ሓበሬታ ዘለዎ ኣካል እጃሙ ክዋፃእ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ቅድም ኢሉ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ኲናት ንምፅናዕ ዝተጣየሸት ጉጅለ መርማሪት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሑቡራት ሃገራት ስርሓ ብዕሊ ከምዝጀመረት ይፍለጥ።

እንተኾነ መንግስቲ ትግራይ፡ረብሓ ትግራይ ዘይሓውስ ብተናፀል ምስ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝግበር ስምምዕነት እንተሃልዩ መንግስቲ ትግራይ ምስቲ ኮምሽን ዝነበሮ ምትሕብባር ደው ከብል ዝኽእል ብቑዕ ምክንያት ከምዝኾነ ምግላፁ ይፍለጥ።