ፕረዚደንት ዓለም ለኸ ግብረ ሰናይ ኤም ኤስ ኤፍ ስፔን ፓውላ፡ ናብ ትግራይ ንምብፃእ ዘቕረብኦ ሕቶ ብስርዓት ኢትዮጵያ ተነጺጉ።

ፕረዚደንት ዓለም ለኸ ግብረ ሰናይ ኤም ኤስ ኤፍ ስፔን ፓውላ ሪሊ ቅድሚ ሒዲት መዓልታት ናብ ትግራይ መገሻ ንምግባር ኣብ ዘቕረብኦ ሕቶ ብስርዓት ኢትዮጵያ ከምዝተኸልከላ ሓቢረን።

ስፔን ፓውላ ሪሊ፡ ከምዝረጋገፀኦ ኣብ ትግራይ ተግባራት ግብረ ሰናይ እናካየዱ ናይ ዝተቐንፀሉ ኣባላት ኤም ኤስ ኤፍ ስድራ ንምብፃሕ ዘቕረበኦ ሕቶ ከምዝተነፀገን ኣቃሊዐን።

ስፔን ፓውላ ሪሊ፡ ሕቶአን ምንፃጉ ጥራሕ ዘይኮነስ ቐሪቡ ዘዘራረበን ወካሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይምርካበን ልዑል ሓዘን ከምዝተሰመዕን ሓቢረን።

ብምዃኑ እውን ንልዕሊ ዓመትን መንፈቕን ጉዳይ ዝተቐንፀሉ ኣባላት ግብረ ሰናይ ኤም ኤስ ኤፍ ክፃረ ተደጋጋሚ ሕቶ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋላ እንተቕረባ ዘዘራረበን ኣካል ዘይምርካበን ኣዝዩ ዘጉሂ ተግባር ከምዝኾነ ገሊፀን።

ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ መብዛሕቲኡ መሬት ትግራይ ቅድሚ ምውፅኡ ኣብ ትግራይ ሰራሕተኛታትን መተሓባበሪትን ኤም ኤስ ኤፍ ብግፍዒ ከምዝተቐተሉ ይፍለጥ።