ህልዊ ኩነታት ትግራይ ንምዕዛብ ናብ ትግራይ ዝገሹ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ብስርዓት ኢትዮጵያ ከምዝተኸልከሉ ተፈሊጡ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ንምዕዛብ ምስ መንግስቲ ትግራይ ንምርኻብ ሕቶ ዘቕርቡ ወከልቲ ዓለምለኸ መንግስታት፣ ወከልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ብስርዓት ኢትዮጵያ ከምዝተኸልከሉ ተገሊፁ።

ኣባል ሴንተራል ኮማንድን ፈፃሚት ስራሕ ህወሓትን ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ እዞም ዓለምለኻውያን ወከልትን ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ሰብኣዊ ሓገዝን ናብ ትግራይ ከይገሹ ተደጋጋሚ ክልከላ ከምዝተገበረሎም ሓቢሩ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ጥራሕ ካብ ተወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ላዕለዎት ወከልቲ ሓያላን ሃገራትን ኣምባሳዳራት ዝተፈላለያ ሃገራት ሓዊሱ ናብ ትግራይ ንምምፃእ ዘቕረብዎ ሕቶ በቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ መንግስቲ ከም ዝተነፀጉ ኣይተ ጌታቸው ኣብ ትዩተር ገፁ ፂሒፉ።

ከምኡ እውን ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ጉዳይ ፈፃሚት ኢምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ንምምፃእ ዝሓተተኦ ሕቶ ከምዝተነፀገ ኣቃሊዑ።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ኲናት እውን እንተኾነ ናብ ትግራይ ዝገሹ ዓለምለኸ ዲፕሎማሰኛታት ክልከላን እገዳን እንዳካየደ ምምፅኡ ዝዝከር እዩ።