ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ፡ ኣትሌታት ትግራይ ምስ ስድራቤቶም ክራኸቡ ስርዓት ኢትዮጵያ መንገዲ ክኸፍት ፀዊዓ።

ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ፡ ኣትሌታት ትግራይ ምስስድራቤቶምን ኣዝማዶምን ክራኸቡ ስርዓት ኢትዮጵያ መንገዲ ክኸፍት ተማሕፂና።

ኣትሌታት ትግራይ ስድራቤቶም ክረኽቡ ዕድል ከምዘይረኸቡን ስለዚ ድማ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸበት ፕረዚዳንት ኢፌዲሪ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኢሉ እውን መንግስቲ ነዚ ሽግር ከምዝፈትሖ ይተኣማመን እየ ኢላ።

ከምኡ እውን ኣብ ትግራይ ክወዳደሩ እንዳተገበኦም ዝተዓፀው ኣትሌታት ተጋሩ ከምዘለውን ኣብ ዘለውዎ ልምምዶም ክጅምሩ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዓፅዮም ዘለው ኣትሌታት ድማ መንገድን መሰረታዊ ኣገልግሎትን ክኸፍት እሞ ናብ ትግራይ ክበፅሑ ሓቲታ።

መንግስቲ ትግራይ ነዚ ክተሓባበር፣ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት እውን ነዚ ክተሓባበሩ ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ገሊፃ።

ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ነዚ ዝበለት ኣብ ቻምፒዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ኣሜሪካ ኦርገን 2022 ልዑል ውፂኢት ንዘመዝገቡ ኣትሌታት ስነስርዓት ምቕባል ኣብ ዝካየደሉ መድረኽን ወከልቲ መግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽን እዩ።

ስድራቤት ኣብ ቻምፒዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ኣሜሪካ ኦርገን 2022 ብፀብለልታት ዝዛማ ኣትሌታት ትግራይ ብሰንኪ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘካየዶ ዕፅዋን ክባን ደቅና ክንረክብ ኣይከኣልና ምባሎም ይዝከር።

ኣብዚ ውድድር ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጆኖሳይድ እትፍፅም ዘላ ኢትዮጵያ ካብ ዝረኸበቶ ኣርባዕተ ወርቂ እቲ ሰለስተ ወርቂ ብተጋሩ ኣትሌታት ዝተረኸበ ምዃኑ ይፍለጥ።