ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ኣብ መላእ ኢትዮጲያ ተዳጊኖም ዘለው ተጋሩ ክፍትሑ ጸዊዑ።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ኣብ መላእ ኢትዮጲያ  ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተዳጊኖም ዘለው ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ክፍትሑ ጸዊዑ።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕብራት ሃገራት ሚሼል ባችሌት ኣብ ዝጻሓፎ ደብዳበ መንግስቲ ኢትዮጲያ ካብ መቐለ ድሕሪ ተሳዒሩ ምውጹኡ ብሄር መሰረት ዝገበረ ግፋን መጥቃዕትን ኣጠናኪሩ ከምዝቀጸሎ ሓቢሩ።

ብፍላይ ካብ ሽኸት ከባቢኡን ብሓይሊ ዝተወሰዱ ተጋሩ ኣብ ሰመራ መዳጎንቲ ጣብያታት ተዳጊኖም ኣብ ከቢድ ናይ ኣየር ኩነታትን ኣጸጋሚ ከባቢን ይሳቐዩ ከምዘለው ገሊጹ።

ብሰንኪ እዚ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተጋሩ ብተላበድቲ ሕማማትን ጥምየትን ከምዝሞቱ ዝገለጸ እቲ ደብዳበ ህጻናትን ሽማግለን ዝርከብዎም ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ እናተሳቐዩ ከምዝትኸቡ ኣብሪሁ።

ብተወሳኺ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጲያን ኤርትራን ብሓይሊ ኣብ ዝሓዝዎ ምዕራብ ትግራይ ተጋሩ ካብቲ ከባቢ ንምጥፋእ ዓሊሞም ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተጋሩ ናብ መዳጎኒ ጣብያታት የእትዮምዎም ከምዘለውን ካብቶም መዳጎንቲ ጣብያትት እናተወሰዱ እውን ይቅተሉ ከምዘለው ገሊጹ።

ስርዓት ኢትዮጲያ ንኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ካሊእ ከባቢታት ኢትዮጲያ እውን ብተመሳሳሊ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ብሄር መሰረት ብምግባር ጥራሕ እናዳጎነ ከምዝርከብ ዝሓበረ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ካብ ሱዑድ ዓረብ ዝተመለሱ ተጋሩ ከይተረፈ ከምዝዳጊኖም ኣፍሊጡ።

ብምኻኑ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕብራት ሃገራት ስቃይ ሚዮናት ተጋሩ ኣፍልጦ ብምሃብ ዘለዎ ኩሉ መገዲታት ተጠቂሙ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብል ክሰርሕ ከዝግባእ ፀዊዑ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጲያ ተዳጊኖም ዝርከቡ ተጋሩ ክፍትሑ ጻዊዒት ኣቅሪቡ ኣሎ።