ትካል ሕብራት መንግስታት ኣሜርካ ንኣህጉራዊ ምዕባለ (USAID) ብወርሒ ክልተ ሚልዮን ሊትር ነዳዲ ካብ ጁቡቲ ከእትው ፍቃድ ከዝረከበ ኣፍሊጡ።

ትካል ንኣህጉራዊ ምዕባለ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ንምቅላል ኣብ ወርሒ ክልት ሚልዮን ነዳዲ ካብ ጁቡቲ ንኸእቱ ካብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጺኢ ኢትዮጲያ ፍቃድ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብሰንኪ ዘንበሮ ዕጽዋ ነዳዲ ናብ ትግራይ ከይኣትው ሙሉእ ንሙሉእ ከልኪሉ ዝነበረ እንትኸውን ኣዝዩ ውሑድ መጠን ዘለዎ ነዳዲ ጥራሕ እዩ ዓለም ለኻውያን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ክረክባ ጺኒሐን።

ካብቲ ዝተፈቐደ ነዳዲ 700 ሽሕ ዝኸውን ነዳዲ ናብ ትግራይ ከምዝኣተወን እቲ ዝቐረየ ናብ ትግራይ ክኣትው ምስ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብወገኑ ናብ ትግራይ ዝኣተወ 800 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢ ናብ ዝተጸገመ ህዝቢ ንምብጻሕ ሓደ ሚልዮን ሊትር ነዳዲ ከምዘድልዮ ዘፍልጠ እንትኸውን ካብቲ ዝጥለብ ፍርቂ ጥራሕ ከዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ምግቢን መድሓኒትን ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ክባጻሕ ከምዘይከኣለ ፕሬዝደንት ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ምግላጹ ይዝከር።

ከምኡ እውን እቲ ቃል ዝተኣተወ ነዳዲ እውን ብእዋኑ ይበጽሕ ከዘየሎ ኣፍልጡ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።

ብካሊእ ዜና ትካል ምግብን ሕርሻን ውድብ ሕብራት ሃገራት (FAO) ክሳብ ሐዚ ናብ ትግራይ 5179 መዳባርያ ከምዘእተወ ዘፍለጠ ኮይኑ 1680 ሜትሪክ ቶን መዳበርያ ድማ ናብ ትግራይ ይጎዓዓዝ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓገዝ ንልዕሊ 68 ሽሕ መራሕቲ ስድራ ከምዝሕግዝ ድማ ኣብሪሁ ኣሎ።

እንተኾነ መንግስቲ ትግራይ እቲ ዘበናዊ ድኹዒ ኣብ እዋኑ ክበጽሕ ከምዘይከኣለን ናይ ክራማት እዋን እውን ይሓልፍ ከምዘሎ ኣብ ዘሃቦ መግለጺ ምፍላጡ ይዝከር።