ዘተ ሰላም ትግራይን ኢትዮጵያን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክጅመር ከምዝኽእል ተገሊፁ።

ዘተ ሰላም ትግራይን ኢትዮጵያን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክጅመር ክጅመር ተስፋ ከም እትገብር ሓንቲ ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ኣሜሪካ ብምጥቃስ ቢቢሲ ጸብጺቡ።

እታ ሞሊ ፊ ዝተብሃለት ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ኣሜሪካ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብሽምግልና ንምፍታሕ ወሳኒ እጃም ኣብ ዘለዋ ኬንያ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝካየድ ምርጫ ከም ዝጅመርን ንኮሚቴ ባይቶ ሃገራ ከም ዝተዛረበትን ሓቢራ።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ እቲ ምስ መንግስቲ ትግራይ ዝግበር ዘተ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ድልየት ከም ዘለዎ ክገልጽ እንከሎ፡ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ እቲ ድርድር ብመሪሕነት እቲ ግዜ መዝነቱ ዝውድእ ዘሎ ፕረዚደንት ኬንያ፣ ኡህሩ ኬንያታ ክካየድ ከም ዝደሊ ምግለጹ ይፍለጥ።

ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ላዕለወይቲ ዲፕሎማት ጉዳያት ኣፍሪቃ ሞሊ ፊ፡ ንኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ እቲ ኣብ ኬንያ ዝካየድ መረጻ ግዜ ሰሌዳ እቲ ዘተ ሰላም ከምዘዛበዖ ሓቢራ።

ከምኡ እውን ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ እቲ ዘተ ሰላም ንቕድሚት ንኽስጉም ኣሜሪካ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ምስ ክልቲኦም ወገናት ከምዝዛተ ተገሊጹ።

ሰርዓት ኢትዮጵያ ብኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጲያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ሚኒሰተር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቲዎስን ኣቢሉ ዘተ ሰላም ብዘይቅድመ ኩነትን ኣብ ዝኾነ ቦታን ክጅመር ድልው ከምዝኾነ ገሊጹ እዩ።

ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝግበር ዝርርብ ቅድመ ኩነትን ግዜ ገደብን ከምዝተቐመጠ ምዝራቡ ይዝከር።

ብተወሳኺ ቅድሚ ዘተ ሰላም ምጅማሩ ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ ከምዘለዎም ከምዝገለፀ ይፍለጥ።