መርማሪት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሑቡራት ናብ ትግራይ ከይትኸይድ ተኸልኪላ።

ትማሊ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬደዋን ሑሱን፡ መርማሪት ኮምሽን ሑቡራት ሃገራት፡ ናብ ትግራይ ክኸዱ ኣይፈቐድናን ክብል ኣብ ኣብ ትዩተር ገፁ ፂሒፉ።

ኣምባሳደር ሬዲዋን፡ ነዚ ዝበለ ልኡኻት ኣሜሪካን ኣውሮፓን ናብ ትግራይ ከይኸዱ ከልኪሉዎም ድሕሪ ምፅናሕ ናብ መቐለ ክገሹ ኣብ ዝፈቐደሉ ግዜ እዩ።

እቲ ስርዓት ንመገሻ ኣባላት መርማሪት ኮምሽን ሑቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ዝኸልከለሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝተፈፀመ መጠነ ሰፊሕ ጆኖሳይድ ከይቃላዕ ብምስጋኡ ከምዝኾነ ይግለፅ።

ብወገን ሊህቃን ትግራይ ድማ እዚ መግለጺ፤ ኩለን ሕጋዊ መሬታት ትግራይ ወሪሮም ምፅናት ዘርኢ እናካየዱ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዕፅዋን ክባን እናሃለወ፤ ኩለን ማሕበረ ቁጠባዊ ግልጋሎታት ተዓፅዩ፤ ዓሰርተታት ኣሽሓት ተጋሩ ኣብ መዳጎኒ ካምፕታት እናተገፍዑን እናተቐተሉን ኣብ ዘለውሉ እንታይ ዓይነት ዘተ እዩ ክካየድ ዝብል ሕቶ የልዕሉ ኣለው።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ መርሚሩ ሓቂ ከውፅእ ዝተብሃለ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት እኳ፤ ኣባላቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተቖይጦም “ዘለኩም መረዳእታ ኣብ ዝሓፀረ ማዕልቲ ብኢንተርኔት ኣቕርቡ” ምባሎም ላግፂ እዩ ኢሎም።

ብምዃኑ እውን ኩሉ ክርአ ዝግብኦ በሰላታት ጀኖሳይድ ኣሽሓት ኣካላዊ መረዳእታታት ኣብ መላእ ትግራይ ከምዘሎ እናተፈለጠ ኢንተርኔት ካብ ዘይብላ ትግራይ መረዳእታ ክለኣኸሎም ምሕታቶም ንብዙሓት ተጋሩ ኣቖጢዑ ኣሎ።

ስርዓት ኢትዮጵያን መሻርኽታን ብቃልን ብተግባርን ብዘይምንም ቅድመ ኩነት ብሕብረት ኣፍሪካ ጥራሕ ኢና እንንዛተ ምባሉ ይዝከር።