ኣብ ጋምቤላ ክልል ብትግራዋይነቶም ተዓፊኖም ዝተወሰዱ ተጋሩ ደሃዮም ከምዘይተረኸበ ተሓቢሩ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ነበርቲ ክልል ጋምቤላ ዝኾኑ ተጋሩ ገፊፉ ኣብ ዝተፈላለዩ መዐጎሪ እናዳጎነ የሳቕዮም ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቶም ነበርቲ ክልል ጋምቤላ ዝኾኑ ተጋሩ ብዘይ ናይቲ ክልል ኣፍልጦን ፍቓድን ብወታደራትን ፌደራል ፖሊስን እናተገፈፉ ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ብግፍዒ እናተቐጥቀጡ ከምዝተወሰዱ ፍልፍላትና ገሊፆም።

ዛጊድ እውን እቶም ተዓፊኖም ዝተወሰዱ ወገናት ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቐርቡ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ብምዃኑ እውን እቶም ስድራ እቶም ተገፊፎም ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ዝተወሰዱ ተጋሩ ደሃይ ብዘይምርካቦም ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቖም ከምዘለው እቶም ፍልፍላትና ኣብሪሆም።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ተጋሩ ብምዃኖምን ብመንነቶም እናተሓረዩን ኣብ ፎቖዶ ቤት ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ሓዪሩ የሳቕዮምን ይቐትሎምን ከምዘሎ ይፍለጥ።