ፍሉይ ልኡኽ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘተ ሰላም ኢትዮ- ትግራይ ክቀላጠፍ ጸዊዑ።

ፍሉይ ሉኡኽ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጲያ ኣብ ዝነበሮ ጻኒሒይ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጲያን መንግስቲ ትግራይን ዝግበር ዘተ ክቀላጠፍ ጸዊዑ።

ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጲያ ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ዝነበሮ ጻኒሒት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝግበር ዘተ ምምሕያሻት ከርእን ክፋጠንን ከምዝግባእ ከምዘትዛረበ ኢምባሲ ኣሜርካ ኣብ ኢትዮጲያ ኣፍሊጡ።

ካብዚ ብተወሳኪ መንግስቲ ኢትዮጲያ ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣትው ሐዚ እውን ክሰርሕ ከምዝግባእን ንዝተፈጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እውን ተሓታትነት ክህልውን ኣተሓሳሲቡ።

ኣብዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ኢትዮጲያ ብኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ሬድዋን ሑሴን ኣቢሉ መንግስቲ ኢትዮጲያ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ ኣብ ዝኾነ እዋንን ቦታን ክዛተ ድልዊ ከምዝኾነ ዝገለጸ ኮይኑ ፕረዝደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ድማ ቅድሚ ዘተ ምጅማሩ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክጅመር ከምዝግባእ ቀዲሙ ሓቢሩ እዩ።

ስርዓት ኢትዮጲያ ብትግራይ ዝቐርብ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ንምቅባል ድልዊ ከምዘይኮነ ዘእንፈተ እንትኸውን ኣሸማጋሊ ዝምልከት እውን ሕብረት ኣፍሪካ ክመርሖ ከምዝደሊ ዕላዊ ጌሩ እዩ።

እንተኾነ ብወገን ትግራይ እቲ ዘተ ብኣሸማጋሊነት ኬንያ ክግበር ልዑል ድልየት ዘሎ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ሚዛናውነት ሕብረት ኣፍሪካ ብዝምልከት ዕላዊ ተቓውሞ ቀሪቡ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ንዘውጾኦ መግለጺ ሲዒቡ ክሳብ ሐዚ ብወገን መንግስቲ ትግራይ ዝተወሃበ ዕላዊ መልሲ የለን።