ኣብ ዝበዝሕ ክፋል ትግራይ ንዕቤት ዝራእቲ ምችው ዝርገሐ ዝናብ ክራማት ምህላው ተሓቢሩ።

ኣብ መብዛሕትኡ ከባብታት ትግራይ ዝናብ ዘንጊዑ ዝጀመረ እኳ እንተኾነ ንዕቤት ዝራእቲ ምችው ዝኾነ ዝርገሐ ከምዘለዎ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ቢሮ ዳይሬክተር ልምዓት ዝራእቲን ምምሕያሽ ልሙዕነት ሓመድን ኣይተ ሰለሙን ገብረስላሴ
ኣብ ሜትሮሎጂካዊ ትንበያ ኩነታት ክራማት ኣመልኪቱ ንያበለ ሚድያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ዝናብ ኣዝመራ ስለዘይነበረ ኣብ ናይ ፅድያ ዝራእቲ ጠመተ ተጌሩ ይስራሕ ምህላው ተዛሪቡ።

ኣብ ፍርቂ ሚያዝያ ኣብ ውሱናት ከባብታት ትግራይ ሰለስተ ግዜ ዝናብ ከምዝወቕዐ ዝጠቐሰ ኣይተ ሰለሙን ንዝራእቲ ኣዝመራ እኹል ስለዘይነበረ መሬት ንምልስላስ ከምዝወዓለ ኣረዲኡ።

ምዝንጋዕ እቲ ኩነታት ዝናብ ስራሕቲ ሕርሻ ትግራይ ኣብ ዝራእቲ ፅድያ ስርናይ፣ ጣፍ፣ ኣዕታርን ካልኦትን ክድረኽ ከምዝገበሮ ዝጠቐሰ እቲ ዳይሬክተር ዝናብ ክራማት ምስጀመረ ግና ንዕቤት ዝራእቲ እኹል ዝኾነ ዝርገሐ ከምዘለዎ ሓቢሩ።

እቲ ዝተለመደ ኩነታት ዝርገሐ ዝናብ ክራማት ኣብ መጀመርታ ሰነ ክጅምር ትፅቢት ዝተገበረሉ እንትኸውን ብኣንፃሩ ከከም ከባቢኡ ካብ ፍርቂ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ከምዝጀመረ ገሊፁ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብን ውሱን ክፋል ዞባ ማእኸልን ትግራይ ካብ ፍርቂ ሰነ ዝናብ ዝጀመረ እንትኸውን ዞባታት ደቡብ፣ ደቡብ ምብራቕ፣ ምብራቕን ናብ ምብራቕ ዝቐረባ ወረዳታት ዞባ ማእኸል ትግራይን ኣብ መወዳእታ ሰነ ከምዝጀመረ ጠቒሱ።

ብሓፈሻ ዶግዓን ሓውሲ ዶግዓን ከባብታት ትግራይ ፅቡቕ ዝርገሐ ዝናብ እንትህልዎ ቆላ ከባብታት ድማ ዘንጊዑ ምጅማሩ ገሊፁ።
ብፍላይ ኣብ ከባብታት ራያ ዓዘቦ፣ ራያ ጨርጨርን ራያ ኣላማጣን ዝናብ ዘንጊዑ ከምዝጀመረ ሓቢሩ።

ብመሰረት ሜትሮሎጂካዊ ትንበያ እዋን ክራማት ትግራይ ፅቡቕ መጠን ዝናብ ክህሉ ትፅቢት ከምዝግበር ዳይሬክተር ልምዓት ዝራእቲን ምምሕያሽ ልሙዕነት ሓመድንቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ትግራይ ኣይተ ሰለሙን ገብረስላሴ ሓቢሩ።

ይኹን እምበር ኣብ ፃዕቒ ዝወቅዕ ዝናብ ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ካብ 3-8 መዓልቲታት ምቁርራፅ ክህልዎ ከምዝኽእል ኣሚቱ።

ኣብ እዋን ፅድያ ዘንጊዑ ዝኣተወ ዝናብ ቀልጢፉ ናይ ምውፃእ ባህሪ ክህልዎ ከምዝኽእል እውን እቲ ዳይሬክተር ተዛሪቡ።