ፍልይቲ ተወካሊት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ናብ መቐለ ከምእተምርሕ ገሊጻ።

ፍልይቲ ተወካሊት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣነት ዌበር ጉዳይ ዘተ ዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ትግራይ ንምዝታይ ናብ መቐለ ከምእተምርሕ ኣፍሊጣ።

ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን ኣብ ጉዳይ ዘተን ምጅማር መሰረታዊ ኣገልግሎት ኣብ ትግራይን ኣመልኪታ ምዝታያ ኣብ ትዊተር ገጻ ዝፀሓፈት ኣነት ዌበር ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተጀመረ ናይ ዘተ ከይዲ ንምድጋፍ ናብ መቐለ ከምተምርሕ ኣፍሊጣ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈላለዩ ተወከልቲ ዓለም ለኻዊያን ትካላትን ሃገራትን ኣብ መንጎ መንግስቲ ትግራይን ኢትዮጲያ ዝግበር ዘተ ንምቅልጣፍ ልዑል ጸቅጢ ዋላ እኳ እንተገበሩ ክሳብ ሕጂ ናብ ተግባር ዝሸረፈ ነገር የለን።

ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክኽፈት ተደጋጋሚ ጻዊዒት ዝተገበረ ኮይኑ መንግስቲ ትግራይ ድማ ቅድሚ ዘተ ምጅማሩ እዚ ክግበር ዝጸወዐ ዋላ እኳ እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጲያ ግን እዚ ክገብር ዝተፈላለዩ ምክንያታት እንዳቕረበ ይርከብ።

ፍሉይ ተወካሊት ሕብረት ኣውሮጳ ኣነት ዌበር ምጅማር መሰረታዊ ኣገልግሎት ዝምልከት ካብ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝተወሃባ ምላሽ ብዝምልከት ዝበለቶ ነገር የለን።