ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ትግራይ ዝበጸሐ ፆታዊ ዓመፅ ከምዝሕዝን ገሊጹ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም መዓልቲ ደቀንስቲዮ ኣፍሪካ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ገጹ ኣብ ዝለጠፎ መልእክቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ትግራይ ዝበጸሐ ፆታዊ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ዘቁጥዕ ምኻኑ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝበጸሐ መጥቃዕቲ እውን ዘቆጥዕ ምኻኑ ዝሓበረ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ግዳይ ናይዚ መጥቃዕቲ ንዝኾና ወገናት ሰላምን ሓገዝን ብህጹጽ ከምዘድልየን ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦሬል፡ ኣብ መዓልቲ ደቀኣንስትዮ ኣፍሪካ “ሓሳባይ ግዳይ ዘስካሕክሕ ግፍዕን ትርጉም ዘይብሉ ኲናትን ናይዝኾና ደቀኣንስትዮ ትግራይን  ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ እዩ” ዝብል መልእክቲ ኣብ ትዊተር ገጹ ኣመሓላሊፉ።

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 120 ሽሕ ዝኾና ደቀኣንስትዮ ብሰራዊት ኢትዮጲያን ኤርትራን ግዳይ ጸታዊ ዓመጽ ከምዝኾናን ኮይኑ ግና ኣድህቦን ሓገዝን ማሕበረሰብ ዓለም ተነፊግወን ኣብ ክባን ዕጽዋን ከምዘለዋ ይፍለጥ።