“ተጋሩ ወርቀይን ኣቕሓይን ከይበልኩም ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲን 3 ሰዓትን ውፁ”

ቀሺ ብርሃነ ታደለ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብራ መስሪቶም ጉጂ ቀሊሶም ን25 ዓመታት ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ጣብያ ሩዋሳ ክነብሩ ፀኒሖም።

ብስራሕቲ ሕርሻን ንግዲን ክመሓደሩ ዝፀንሑ ቀሺ ብርሃነ ዝወለድዎም ሓሙሽተ ቆልዑ ንትምህርቲን ቁምነገርን ከብቅዑ ይሰርሑ ኔሮም።

ብምርባሕ እንስሳ፣ ንግዲ ጨርቃ ጨርቂን ክረምታዊ ሕርሻን ኣስታት “2 ሚልዮን ብር ዝግመት ሃፍቲ ኔሩና“ ዝበሉ ቀሺ ብርሃነ ታደለ ይኹን እምበር ስድረኦም ንምውሓስ “ካብዚ ግን ቅያር ክዳን እኳስ ዘይሓዝና ነታ ሂወትና ንምድሓን ኢና ወፂና” ክብሉ ተዛሪቦም።

27 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ቀትሪ 9:00 “ፋኖን ሰራዊት ንቕድሚቶም ዝረኸብዎ ትግራዋይ እናጨፍጨፉ ይኣትው” ከምዝነበሩ ብምርዳእ “ኣብ ግምባር ገዛውትና ተኹሲ ታንኪ ምስተጀመረ ንሕና ብድሕሪት መሊቕና ቆልዑ ሓንጊርና ሃዲምና” ኢሎም።

እቲ ኩነታት እንትዝክሩ “ብኹሉ ኣንፈት ዝትኮስ ጥይት መቑፀሪ ስለዘይነበሮ ናባና ገዝ ዝተተኮሰ እንትመስለና ናብ መሬት እናደቀስና እናተፈሓኹና ወፂና ክሳብ መሬት ዝፅልምት ኣብ ጫካ ፀኒሕና” ይብሉ።

ኣብቲ እዋን ዘጋጠሞም ፈታኒ ኩነታት እንትዝክሩ “ሓንቲ ጓል ኣሞይ ነብሰፁር ክትወልድ መዓልቲታት ዝተረፋ ገዲፍናያ ከይንኸድ ከመይ ጌርና” ሒዞምዋ ክወፁ እንትፅዕሩ ኣብ መንገዲ ምኻድ ስለዝኣበያ “ከይንሓዝላ ብፅሕቲ ወርሒ ከመይ ጌርና”።

ብቢሰከንዱ ዝጋደድ ዘሎ ጨፍጫፍ “ምሳና ዝነበረ ሰብ ብቅፅበታት የማነ ፀጋም ብዝፋፂ ጠያይቲ ተወቒዑ እንትወድቕ እናረኣና ዕድልና ንሞክር ኢልና ብክልቲኡ ማእገራ ሒዝና እግራ እናጎተትና ኢና ንበረኻ ኣውፂናያ” ክብሉ ገሊፆም።

ካብ ሞት ክድሕኑ ህፃውንቲ ቆልዑ ሒዞም ኣብ በረኻ ሳልሳይ መዓልቲ ዝፀንሑ ቀሺ ብርሃነ “ሞት መልክዓ ቀይራ ብጥሜት መፅያትና” ብምባል ምስጨነቖም ኣለሻ ዝበፅሐ ዝራእቲ ምሸላ ኮይኑ።

ምሸላ እናቆረፁ “ናብ ሓዊ ኣእቲና ምስ ሽሙኡ እናሃለወ ልብልብ ልብልብ ኣቢልና ሓሲና ቆልዑ እናዓንገልና ቀኒና” ይብሉ።

ልዕሊኡ ዝኸበዶም ድማ “እታ ጓል ኣሞይ ኣብቲ በረኻ ሕርሲ ምትሓዛ” ከምዝኾነ ዝገለፁ ቀሺ ብርሃነ ታደለ “ካብ ኣፍ ሞት ሰቲዃ እያ ማንታ ቆልዑ ተገላጊላ” ብምባል ይዝክሩ።

ድሕሪኡ ግን ጥሜት ምስ ከበዶም ስንቂ ከምፅኡ ተሓቢኦም ናብ መንበሪኦም እንትምለሱ “እቲ ዓዲ ሰብ የለን ጨረውረው ኢሉ ንብረታት ፈቐድኡ መንገዲ ተሸንድዩ ረኺበዮ” ብምባል ነቲ ኩነታት ይገልፁ።

ገዛውቲ ጣብያ ሩዋሳ “ዕጡቓት ፋኖ በልማሚት እናኸፈቱ ንብረት እናፀዓኑ ደስ እንትብሎም እናቃፀሉ” ከምዝቐነዩ ዝተዓዘቡ ቀሺ ብርሃነ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝነበረት “ብኹዕ ዝሓዘት ባልዲ ሒዘ ወፂአ ሃዲመ” ኢሎም።
እንተዘይተኪእኻሉ ዘይውዳእ የለን እሞ እዛ ደቆም ክዕንግሉላ ዝቐነዩ ባልዲ እውን ኢዳ ስለዝሃበት ኣብ ጭንቂ ኣተው።

ብሰራዊት ኢትዮጵያ ብኣዋጅ ብግዲ እተው ተባሂሎም ናብ ገዝኦም ዝተመለሱ ነበርቲ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ጣብያ ሩዋሳ “ለይቲ ሙሉእ ብቱይ ጠያይቲ ይትኮስ ብቱይ ከዓ ገዛውትና ብደንጎላ ይውቃዕ”። ልዕሊ ኹሉ “ቆልዑ ኣእምሮኦም ተናዊፁ እቲ ጥይት ከይረኽበና እናበሉ ትሕቲ ዓራት ናብ ዝረኸብዎ ጉድጓድ ነገር በቃ መሕብኢ ዝብልዎ ዋላ ጎማታት ከይቀረየ ይኣትው” ምንባሮም ይዝክሩ።

ህዝቢ ሩዋሳ እቲ ወሊዱ ተዋሊዱ ዝሃነፆ ሃፍቲ ብፋኖ ምዝራፉ ከይኣክል “ዝተረኸበ መንእሰይ እናተኣሰረ ዝተረፈ ድማ ተጋሩ እዚ ዓድኹም ስለዘይኮነ ውፁልና” ተባሂሉ።

“ትግርኛ ምዝራብ ከምገበን ተቖፂሩ ዝዘሩ ዕጡቓት ስለዝነበሩ ኣብታ ገዛና ብቋንቋና ንምዝራብ እውን ተፀጊምና” ዝበሉ ቀሺ ብርሃነ ታደለ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ኢትዮጵያን ነቲ ነባራይ ህዝቢ “ጁንታ” እናበሉ ይኣስርዎን የሳቕይዎን ምፅነሖም ጠቒሶም።

ካብታ ጣብያ ወፂኦም “ንተከዘ ገፅ ዝሃደሙ ኣሕዋትና ከምዝተቐተሉ ሓበሬታ ስለዝመፀና መሕለፊ ከምዘየለ እኳ እንተፈለጥና ግን ኣብ መረበትና ከንብሩና ስለዘይኽእሉ ክንወፅእ” ይፅዕሩ ኔሮም።

ብፍላይ ናብ 6 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ዘውግሕ ለይቲ ዕጡቓት ፋኖ ኣምሓራ ካብ ጫፍ ዳንሻ ክሳብ ጫፍ ሑመራ “እዚህ ያላችሁ ትግሬዎች ወርቅና እቃ ሳትሉ በሶስት ቀን በሶስት ሰዓት ውስጥ ውጡ ዝብል ወረቐት ዘርጊሖም ምስሓደሩ ልዕሊ 2500 ነባራይ ሩዋሳ” መብዛሕትኡ ንሱዳን ገሊኡ ድማ ንሑመራ ወፂኡ።

“ደቀቕቲ ቆልዑ ሒዘ ሱዳን ኣይከድን” ዝብል ብምሕሳብ ንሑመራ ዝተጉዓዙ ቀሺ ብርሃነ ዝገደደ ኩነታት እዩ ገጢምዎም።

“ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ኢትዮጵያን ገዛ ንገዛ እናዘሩ መለለዪ መንነት እናሓተቱ ትግራዋይ ዝብል ዝረኸብሉ ብኣይሱዚ እናፀዓኑ 170 ሰብ ገፊፎም” ምውዓሎም ስለዝተረድኡ እዞም ዕጡቓት ዝውረስዋ ሑመራ እውን ተጋሩ ዘዕርፉላ ዘይምዃና ተገንዘቡ።

ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ዝገጠሞም እውን ኣይቀለለን።

“ኣብ ሑመራ ተስሓቢት መኪና ኔራቶ ከይትስረቖ እናሓለወ ዝነበረ ትግራዋይ መንእሰይ ልቐቕ እንትብልዎ መኪናይ እየ ዝሕሉ ዘለኹ እንትብሎ ኣሲሮም 9:00 ቀትሪ ኣብታ ጥቓና ረሺኖምዎ” ብምባል ትዕዝብቶም ይገልፁ።
ምስ ስድረኦም 2 መጋቢት 2013 ዓ.ም ካብ ሑመራ ተበጊሶም ናብታ ሐዚ ስርናይ ረዲኤት እናተፀበዩ ብርኮም ዘዕርፉላ መቐለ መፂኦም።

“ክሳብ ሐዚ ብሂወት ምፅናሕና ሓደ ነገር ኮይኑ ብስራሕን ፃዕሪን ድሌታትና ምምላእ ዝለመድና ሰባት ኣብዚ ደቅና ምዕንጋል ተስኢኑና ኣብ ጭንቂ ኢና ዘለና” ዝበሉ ቀሺ ብርሃነ ታደለ ዘላቒ መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ክስራሕ እዮም ዝብህጉ።

“ዓርሰይ ክኢለ ንካልኦት ቤተሰብ ዝሕግዝ ዝነበርኩ ሎሚ ደቀይ ጫማ ደፍተር ምህሮ እሞ ይትረፍ ሂወት ስድራይ ንምስታኹ ረድኤት መፀት ዶ ኣይመፀትን እናፀናፀንኩ ክውዕል ተገዲደ” ኢሎም።

“ሎሚዘበን ናፃ ክኾነልና እዩ እሞ ናብ መረበትና ተመሊስና ሓሪስና ክንበልዕ ዝብል ዓብዪ ተስፋ ኔሩና” ዝበሉ ቀሺ ብርሃነ ታደለ መንግስቲ ትግራይ ይኹን ዓለምለኻዊ ትካላት ብዘላቒነት ናብ መረበቶም ተመሊሶም ዝጣየሹሉ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ክሰርሑ ፀዊዖም።