ትግራዋይ ሰለሙን ኣለማ፡ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ዝፈጥሮ ብኽለት ከባቢ ዝከላኸል ቴክኖሎጂ ሚሂዙ።

ትግራዋይ ሰለሙን ኣለማ ኣስፋሃ፡ ብካርቦን ዳይኦክሳይድ ዝፍጠር ብኽለት ከባቢ ዝከላኸል ንዓለምና ሓድሽ ቴክኖሎጂ ከምዝመሃዘ ዝተፈላለያ መርበባት ሓበሬታ ዓለምና ፀብፂበን።

ኣብ ሃገረ ካናዳ ስደተኛ ኮይኑ ዝነብር ሰለሙን ኣለማ፡ ዝመሃዞ ቴክኖሎጂ ካብ ኢንዱስትሪ፣ መኻይንን ካልኦት ትካላትን ዝወፅእ በካሊ ትኪ ማለት እውን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ንከባቢ ኣየር ቅድሚ ምብካሉ ኣፃርዩ ናብ ረብሓ ዘውዕል ንዓለምና ጋሻ ቴክኖሎጂ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ “carbon dioxide capturing and electrical energy generating system” ዝተብሃለ ሓድሽ ምህዞ ቴክኖሎጂ ሓይሊ ፀዓት ንፍልፋል ከምኡ እውን ብኽለት ከባቢ ኣየር ንምክልኻል ከምዝሕግዝ ተሓቢሩ።

ትግራዋይ ሰለሙን ኣለማ፡ ንምህዞ ቴክኖሎጂ ልዑል ተውህቦ ዘለዎ መንእሰይ ክኸውን ከሎ ቅድሚ ሕጂ ፀገም ሕብረተሰብ ዘቃልሉ ብሽሙ ዝተምሃዙ ሓሙሽተ ውፂኢት ቴክኖሎጂ ከምዘለዎ ተፈሊጡ።

ሰለሙን፡ ኣብ ምፍልፋል ሓይሊ ፀዓት፣ ምንካይን ኣብ ረብሓ ምውዓልን ካርቦንዳይኦክሳይድ ዘካይዶ ምርምር ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

ዛጊድ እውን ከም “Los Angeles news, empirits.com, big news network, snntv.com” ካልኦትን ንውፂኢት ምህዞ ቴክኖሎጂ ሰለሙን ዝፀብፀባ መርበባት ሓበሬታ ዓለምና እየን።