ሃገርነት ትግራይ ንምግሃድ ስምረት ሃገርነት ዕላማ ዝገበሩ ምንቅስቓሳት ከምዘድሊ መድረኽ ናፅነት ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።

መድረኽ ናፅነት ትግራይ 23 ሓምለ 2014 ዓ.ም ግእዝ ኣብ ዘሳለጦ ምይይጥ ንማዕርነታዊ ሓድነት ዝሰርሕ ውድብ ዝመርሖ መንግስቲ ጉዕዞ ሃገርነት ከሳልጥ ብስቕታ ምፅባይ ከምዘየድሊ ጠቒሱ።

ሕቶ ሃገርነት ትግራይ ብመንፅር ዝተዓወቱን ዝወደቑን ሕቶታት ሃገርነት ብዝብል ርእሲ ፅሑፍ ዘቕረበ መተሓባበሪ ርክብ ህዝቢ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ክንፈ ሓዱሽ ቃልሲ ምብራቕ ቲሞራውያንን ክሮሽያውያንን ዝተዓወተ ሃገርነት ብዝዓለሙ ውዳበታት ስለዝተመርሐ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ብኣንፃሩ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ ግዝኣት ዝነበራ ዓርሰን ክኢለን ሃገራት ክኾና ዝፈቅድ ሕጊ እኳ እንተሃለወ ቃልሲ ሶማሊላንድ ግን ዓባይ ሶማሊያ ብዝብህጉ መራሕቲ ይግናሕ ስለዝነበረን ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያዊን ድጋፍ ከተኣኻኽብ ብዘይምኽኣሉን ክሳብ ሐዚ ከምዘይሰመረ ጠቒሱ።

ድሕሪ ሞት ሃፀይ ዮውሃንስ ምስረታ ሃገርነት ትግራይ ዓሊሙ ዝተጣየሸ ውድብ ግንባር ገድሊ ሓርነት ትግራይ ምንባሩ ዝጠቐሰ ኣይተ ክንፈ ሓዱሽ ህወሓት ሕቶ ናፅነት ብዘለዎ ተጋዳላይን ፀገም ትግራይ ካብ ፀገም ኢትዮጵያ ዝፍለ ኣይኮነን ብዝብል ዓብላሊ መሪሕነትን ምምስራታ ገሊፁ።

ንተመራመርቲ ታሪኽ ፕሮፌሰር ጆን ያንግን ኣለምሰገድ ኣባይን ብምውካስ “ህወሓት ብመልክዕ ብሄራዊት ብትሕዝቶ ግን ሶሻሊስት” ከምዝኾነት ዝሓበረ እቲ ኣቕራቢ ፅሑፍ ብሄራዊ ስምዒት ሕብረተሰብ ናብ ገድሊ ክፅንበር ዝተጠቐመትሉ ስልቲ እምበር ዕላማኣ ከምዘይነበረ ሓቢሩ።

ብ1968 ኣብ ዝወፀ ማኒፌስቶ ህወሓት ዝተጠቐሰ ሃገርነት ትግራይ ዘቐድም ዕላማታት ኣብቲ ውድብ ብዝነበሩ ውሑዳት ብሄራውነት ዘቐድሙ ኣመራርሓ ፅዕንቶ ዝወፀ እንትኸውን “ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ እዚ ማኒፌስቶ ኣይናተይን ኢላ ተካይዶ ዝነበረት ቃልሲ ኢትዮጵያውነት ምንባሩ ዘመላኸተ” ከምዝነበረ ኣብሪሁ።

ካብዚ ሓሊፉ እውን “ሃገርነት ትግራይ ዕላማ ዘለዎ ግገሓት እናሃለወ ብሄራውነት ከምስልቲ ዝጥቀም ቃልሲ ህወሓት ክዕወት ከምዘይኽእል ብምርዳእ ህወሓት ውድብ ግገሓት ኣብ ምጥፋእ መሪሕ ተራ” ከምዝነበሮ ንተመራመርቲ ታሪኽ ፕሮፌሰር ያንግ፣ ባህሩ ዘውዴ፣ ገብሩ ታረቀ ከምኡእውን ኣብቲ እዋን መራሒ ህወሓት ዝነበረ ኣረጋዊ በርሀ ዝሰነድዎ ብምጥቃስ ኣረዲኡ።

ህወሓት ካብ በረኻ ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ከምውድብ ዝተመዝገበሉ ዕላማ ማዕርነታዊ ሓድነት ኢትዮጵያውያን ምርግጋፅ ስለዝኾነ ዘይዕላምኡ ዝኾነ ሕቶ ሃገርነት ትግራይ ክምልስ ምፅባይ ኣይተ ክንፈ ሓዱሽ ምኽንያታዊ ከምዘይኮነ ተዛሪቡ።

“ወለዶ 60ታት ኣብ ከይዲታት ታሪኽ ናይ ባዕሉ ኣበርክቶ ፈፂሙ እዩ።

ሕቶ ሃገርነት ትግራይ ግና ናይዚ ወለዶ እዚ ምላሽ ዝጠልብ ሕቶ እዩ” ዝበለ ኣይተ ክንፈ ሓዱሽ “እቲ ናይ 60ታት ወለዶ ኣብ ቅድሚ ሕልሚ እዚ ወለዶ ጠጠው ክብል የብሉን” ኢሉ።

ርኢቶ ዝሃቡ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ሃገርነት ትግራይ ዝዓለመ ምንቅስቓስ ውሽጢን ዲያስፖራን ብስምረት ክሰርሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

መምህር ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣለም ባራኺ “ክሳብ’ዛ ሎሚ ማዕርነታዊ ፌደራሊዝም ዝኣምን ውድብ ሃገርነት ትግራይ ከግህድ ካብ ምፅባይ ሃገርነት ትግራይ ዝዓለሙ ምንቅስቓሳት ብምውዳድ ስምረት ምፍጣር” ከምዘድሊ ኣረዲኡ።

ኣይተ ኣቤል ገብረመድህን “ሕቶ ናፅነት ትግራይ ሎሚ እውን ናይ ኢትዮጵያ ፕሮግራም ብዘሰጉም ኣካል ክዕወት ምፅባይ ኣየድልን” ብምባል ብታሪኽ “ህወሓትን ህግደፍን ኣንፃር እቲ ዝምዕብል ዝነበረ ብሄራውነት ትግራይ ተበጊሶም ተጋሩ ብምክፍፋል ኣብ ስልጣን ዝፀንሑ” ከምዝኾኑ ገሊፁ።

ኣይተ ኪዳነ ኣመነ ብወገኑ ብታሪኻዊ ስልጣነኣዊ መበቆላዊነት ሕቶ ሃገርነት ትግራይ ምልዓል ከምዝከኣል ብምጥቃስ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ትኽክለኛ ሕውየት ዝመፅእ ተጋሩ ናብ ሓደ ጂኦግራፊያዊ ኣካልላ እንተመፂኦም ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

“ከምቲ ትማሊ ሃገርነት ትግራይ ዓሊሙ ዝቃለስ ዝነበረ ግገሓት ንምጥፋእ ዝተገበረ ከይዲ ሎሚእውን ሃገራዊ ሓይሊ ትግራይ ንምጥፋእ ወፍሪ ምጥፋእ ስም ተጀሚሩ ኣሎ” ዝበለ ኣይተ ኪዳነ “ሓይሊታት ደገ ሃገራዊ ሓይሊን ሕቶ ሃገርነትን ህወሓት ተጠቒሞም ክኸብስዎ ስለዝሙክሩ ናይዚ ወለዶ ሸኽሚ ከቢድ እዩ” ኢሉ።

ሪፈረንደም ኣብ ዝብል ቅዋም ርኢቶ ዝሃበ ኣይተ ኪዳነ ኣመነ “እቲ ሪፈረንደም እንታይ ዓይነት ዕላማ ብዘለዎ ኣካል እዩ ክምራሕ? መን ከ እዩ ክቖፅሮ? መዓዝ ክካየድ?” ዝብሉ ሕቶታት ብምልዓል “ሪፈረንደም ቃልሲ ሃገራውነት ትግራይ ንምጭዋይ ዝመፀ” ከምዝኾነ ገሊፁ።

ኣባል ውድብ ናፅነት ትግራይ ኣይተ መንገሻ ግርማይ “ኣብ ውሽጢ ትግራይን ኣብ ዲያስፖራን ሃገርነት ትግራይ ንምግሃድ ዝግበር ምንቅስቓስ ምትእስሳር” ከምዘድሊ ብምጥቃስ “ሕብረተሰብ ኣብ ጉዳይ ናፅነት ክመያየጥ ምስራሕ ይግባእ” ክብል ተዛሪቡ።

ኣመራርሓ ሳወት ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ “ቅድሚ ሐዚ ዝተፈጠሩ ጌጋታት ኣብ ሕቶ ሃገርነት በሰላ ስለዘዕረፉ ሐዚ ብታሪኽነቶም ምስ ህልው ኩነታት ብዘለዎም ምትእስሳር ክንሪኦም ስለዝግበአና ኣብ ታሪኻዊ ከይዲ ሕቶታት ሃገርነትን ነዚ ሕቶ ዝጓዕፀፁ ኣካይዳታትን ንፅረት ክህሉ” ከምዝግባእ ሓቢሩ።

ኣቦ መንበር ብሄራዊ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ዶ/ር ፀጋዘኣብ ካሕሱ “ንሕንሕ ስልጣንን ኣፈላላይ ቅዋምን ፈላሊና ምርኣይ የድልየና” ብምባል ኣብ ካልኦት ውዳበታት እውን ሃገርነት ዝጠልቡ ኣካላት ክህልው ስለዝኽእሉ “እቲ ምንቅስቓስና ንኻልኦት እውን ክሓቁፍን ኣብ ሓሳባዊ ክትዕ ዝተደረኸ ንፅረት ክህሉ ክንሰርሕ ኣለና” ኢሉ።

ኣባል ሳወት ዶ/ር የማነ ገብረማርያም መብዛሕትኡ ከም ኣብነት ዝውሰድ ምስረታ ሃገርነት ብኲናት ዝመፀ ስለዝኾነ “ተሞክሮ ከምኒ ሲንጋፖር ዝበላ ብሰላማዊ መንገዲ ሃገርነት ዘዐወታ ሃገራት ምፍታሽ” ከምዘድሊ ተዛሪቡ።

ዶ/ር ገብረመድህን ሮምሃ ካብ ውናት ብወገኑ ከይዲ ሃገርነት ስሎቬንያ ብምጥቃስ ተመሳሳሊ ታሪኻዊ ኣመፃፅኣን ሓደ ዓይነት ብሄራዊ ሰረትን ዘለዎ ህዝቢ ንጉዕዞ ምስረታ ሃገርነት ምችው ከምዝኾነ ብምጥቃስ “እቲ ኣፈላላይ ኣብ ትግራይ ንምስረታ ሃገርነት ዝቃለስ ህዝቢ ማዕርነታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ብዝኣምን እናተመርሐ ሃገርነት ከመይ የዐውት” ዝብል ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ምንቅስቓስ ሕቶ ሃገርነት ትግራይ ብዝተዋደደ መልክዑ ብምምራሕ ሕብረተሰብ ክዛተየሉን ቅዋም ክወስደሉን ምስራሕ ከምዝግባእ ጠቒሶም።