ኢትዮጵያ ድሕሪ ኲናት ትግራይ ልዕሊ 60 ጋዜጠኛታት ከምዝኣሰረት ሲፒጄይ ገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድሕሪ ኲናት ምውልዑ ብርኪ ናጽነት ፕረስ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘንቆልቆለ ትካል ተሓላቒ ድሕንነት ጋዜጠኛታት “ሲፒጄይ” ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምእዋጁ ጥራሕ ብውሑድ 63 ጋዜጠኛታት ከምዝተኣሰሩ እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ዝሕለቅ ትካል ኣቃሊሑ።

ከምኡ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ 16 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ከምዝነበሩን እዚ ብዝሒ ድማ ማዕረ እታ ካብ ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ዝበዝሓ ቁጽሪ እሱራት ጋዜጠኛታት ዘለውዋ ሃገር ኤርትራ ከምዝሰርዓ ሲፒጄይ ሓቢሩ።

ብምዃኑ እውን ብደረጃ ናጽነት ሚድያ ሃገራት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኢትዮጵያ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 114 ደረጃ ከምዝተሰርዐት እቲ ትካል ገሊፁ።

ትካል ተሓላቒ ድሕንነት ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ትግራይ ምስ ብልፅግና ወጊንኩም ተባሂሎም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ሓዊሱ፡ መንግስቲ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ዝኣሰርዎም ጋዜጠኛታት ክፈትሑዎም ፀዊዑ ኣሎ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ካብ ዝእውጅ ናብዚ ተጋሩ ብምዃኖም ጥራሕ ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም፣ ተኣሲሮምን ብዓሰርተታት ዝቑፀሩ ክስደዱን ተገይሮም እዮም።