ኣብ ኵናት ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ዘፃርይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ክኣትዉ ከምዝተረዳድኡ ልኡኻት ሕብረት ኣውሮፖን ኣሜሪካን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዘውፀኡዎ ሓበራዊ መግለፂ ሓቢሮም።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር ከምኡ እውን ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣኒታ ወይበር ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ትግራይ ድሕሪ ምዝታዮም ሓባራዊ መግለፂ ኣውፂኦም።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዘውፅኦ ሓባራዊ መግለፂ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኵናት ትግራይ ብፖለቲካዊ ዘተ ዕልባት ክረክብን ዘላቒ ሰላም ክመፅእን ከምዝተዛተዩ ዝገልፅ እዩ።

ብምዃኑ እውን ክልቲኦም ወገናት ንዘተ ሰላም ቅሩብነት ምርኣዮም ብምንኣድ ኣብ ትግራይ ተቛሪፆም ዘለዉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክምለሱ ድማ እቶም ልኡኻት ፀዊዖም።

ብተወሳኺ እቶም ጉጅለ ልኡኻት እቲ ኣብ ኵናት ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ዘፃርይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ክኣትዉ ክፍቀደሎም እውን ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ክኣቱን ኣብ ልዕሊ ነዳድን ገንዘብን ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ብቕልጡፍ ክለዓልን ኣተሓሲቦም ኣለው።

እቶም ልኡኻት ጉጅለ፡ ክልቲኦም ወገናት ካብ ጽልእን ጎንፅን ዘስምዑ መደረታት ክቑጠቡ ፀዊዖም።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ጉዳይ ግዝኣታዊ ሓድነት፣ ምእታው ሰብኣዊ ሓገዝን ምጅማር መሰረታዊ ኣገልግሎትን ፅኑዕ ቅዋም ከምዘለዎ ነቶም ልኡኻት ከምዝተነፀረሎም ምግላፁ ይዝከር።