“ገዛይ ተመሊሰ ሰሪሐ ደቀይ ዝዕንግለሉ መዓልቲ ክመፅእ ዶ ይኸውን?”

ወይዘሮ ህንፃ ገብረመድህን ኣብ ወረዳ ፀገዴ ነባሪት ከተማ ዳንሻ ብንግዲ፣ ሕርሻን ምርባሕ እንስሳን መነባብሮኣ ክትመርሕር ዝፀነሐት እያ።

በቢዓመቱ ልዕሊ 10 ኩንታል ምህርቲ ብምርካብ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዝሰጋገር ዝነበረ ስድራ ወይዘሮ ህንፃ ሎሚ ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ለካቲት 23 መቐለ ኣብ ኣርባዕተ ወርሒ 15 ኪሎ ስርናይ ብምፅባይ ህይወት ንምውሓስ ኣብ ቅልስ ኣትዩ።

ኣዶ 5 ቆልዑ ወይዘሮ ህንፃ “ብፃዕርና ደቅና ነምህር ኔርና” ሎሚ ግና “ይትረፍ ትምህርቲ እታ ህይወቶም ንምውሓስ እኳስ ከቢዳትና” ትብል።

ብንግዲ ኣብ መዓልቲ 2000-3000 ብር ትረክብ ዝነበረት ኣዶ ሎሚ “ሳሙና መግዝኢ ስኢንና ክረምቲ እውን ስለዝኾነ ቆልዑ ንሕማም ይቃልዑ” ምህላዎም ትገልፅ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተወለዐ ወራር “ፅቡቕ መነባብሮ ዝለመድኩላ ገዛይ ሓዲገ ናበይ?” ብምባል ክትወፅእ ከምዘይሓሰበት ዝገለፀት ወይዘሮ ህንፃ ገብረመድህን “ፋኖ ኣምሓራ ትግራዋይ ዝኾነ ብኻራ ምሕራድ ገዛ ገዛ እናፈተሹ ተጋሩ ምርሻን ኣንስቲ ምዕማፅ መዓልታዊ ስርሖም ስለዝገበርዎ ካብ ምህዳም ወፃኢ ካሊእ ኣማራፂ ኣየነበረናን” ኢላ።

ኣብ ከተማ ዳንሻ “ወርሒ ሙሉእ ኣብ ቤት ትምህርቲ ተዓፂና ኢና” ዝበለት ኣዶ ሓመሽተ ቆልዑ ወ/ሮ ህንፃ “ፅቡቕ መነባብሮ ዝለመድኩላ ዳንሻ ሓዲገ 19 ሕዳር ወፂና” ክትብል ሓቢራ።

ኣብ 18 ሕዳር 2013 ዓ.ም ግእዝ “ዕጡቓት ፋኖ ኣምሓራ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ዝተኣሰሩ ተጋሩ 98 መናእሰይ ፈልዮም ናበይ ከምዝወሰድዎም ክሳብ ሐዚ ኣይፈለጥናን” ትብል።
“ተጋሩ ካብዚ መሬት ክትጠፍኡ ኣለኩም” እናበሉ ህፃናትን ዓበይቲን ፈልዮም ብ15 መካይን ተከዘ ከምዘራገፍዎም ተዛሪባ።

ኣብ መንገዶም ከቢድ ኲናት ስለዘጋጠሞም ኣብ ሓደጋ ዝኣተው እዞም ስድራ “ኣብ በረኻታት ደደቢት ተሓቢእና ጥሜት ክኢልና ህይወትና ኣስቲዅና”።

ኣብ መንገዲ ዝረኸብዎም ዕጡቓት “ንበዓል ገዛይ ሒዞም ዝነበረና ገንዘብን ሞባይልን ስለዘሕደጉና መወሳወሲ ስኢንና ንዝገደደ ጥሜት ተቓሊዕና” ብምባል ዝሓለፍዎ ኩነታት ትዝክር።

ኣብ ዓዲ መሓመዳይ “ዓሶ ሓሚምና ሓረስቶት እቲ ዓዲ ሕሩጭን ዘይቲን ኣዋፂኦም ሂቦምና ክሳብ ንሓዊ ኣብኡ ፀኒሕና” ትብል።

“ክልተ ዝሕዘሉ ትሕቲ 5 ዓመት ቆልዑ ሒዝና እቶም ካልኦት እውን ጥሜት ስለዘሎ ብእግርና በቢቦትኡ ዝብላዕ እናለመንና ኲናት እንተጋጥም ኣብ በረኻ እናተሓባእና 5 ሰነ” [2013 ዓ.ም ግእዝ] መቐለ ከምዝበፅሑ ገሊፃ።

ኣብ መቐለ ምስበፅሑ “ሓንቲ ግድስቲ ኣዶ ንነብሰይ ኢላ ኣፀጊዓትና ፀኒሕና ግን እቲ ግዜ ምስነወሐ ንሳ እውን ንባዕላ ስለዝተፀገመት” ናብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ለካቲት 23 ከምዝኣተው ተዛሪባ።

“እዛ ጎንና መዕረፊት ፍርናሽ እኳስ ኣይረኸብናን” ዝበለት ወይዘሮ ህንፃ ገብረመድህን “ክንደይ ነገር ዝለመዱ ቆልዑ ጨው ጌርካ ትብላዕ እውን ይስእኑ ኣለው።”
“ኔሮም ኔሮም ኣብ ኣርባዕተ ወርሒና ሎመቕነ 15 ኪሎ ስርናይ ሂቦምና ክዳንየ ጫማ ቖልዓየ ዝበሃልስ እንካ ዘረባ የብሉን” ክትብል ኣብቲ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዘሎ ፀገማት ትገልፅ።

“ንስሙ ገበርቲ ሰናይ ኣለው ይበሃል ግን ሳሙና የለ መድሓኒት የለ ከመይ ከምንሓልፎ ዘለና እኳስ ዝገርም እዩ” ኢላ።

ወይዘሮ ህንፃ ገብረማርያም “ገዛይ ተመሊሰ ሰሪሐ ደቀይ ዝዕንግለሉ መዓልቲ ክመፅእ ዶ ይኸውን?” ብምባል ኣብ ፅባሕ ተስፋ ምህላው ትሓትት።