ኣብ ትግራይ ሕማማት ኣንትራክስ፣ ሕማም ዕቡድ ከልብን ዓሶን ይላባዕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቶም ሕማማት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብሰንኪ ዝተነብረ ዕጽዋ ዋሕዲ መድሃኒትን ምድኻም ኣገልግሎት ጥዕናን ምቍራጽ መራኸቢታትን ዋሕዲ ቀረባትን ካልኦት ምስኡ ተዛሚዶም ዝማዕበሉ ጸገማትን ከምዝኾኑ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ካብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 2022 ጀሚሩ ኣብ ዞባታት ማእከል፣ ሰሜናዊ ምዕራብ፣ ደቡባዊ ምብራቕን ምብራቕን ብሓፈሻ 116 ብኣንትራክስ ከምዝተትሓዙን 7 ድማ ከምዝሞቱ ተገሊፁ።

ከምኡ እውን ኣብ 11 ወረዳታት ትግራይ 41 ሰባት ብሰንኪ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ዝሞቱ እንትኾኑ ካልኦት መልከፍቲ ዘጋጠሞም ድማ ኣብ ገዛኦም ኮይኖም ባህላዊ ሕክምና ይከታተሉ ከምዘለው ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ብተመሳሳሊ ክሳብ 23 ሓምለ 2022 ኣብ ዝነበረ እዋን ልዕሊ 10 ወረዳታት ትግራይ ለበዳ ሕማም ዓሶ ከምዝተራእየን ተገሊጹ።

ኮይኑ ግና እዚ ለብዒ ዝተረኣየለን ከባቢታት ጸረ-ዓሶ መድሃኒትን ካልኦት ቀረባት ሕክምናን ዘይብለን ብምዃነን እቲ ሕማም ይጋደድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ብሰንኪ ጸገም መራኸቢ ጕጅለታት ምሕደራ ህጹጽ ረድኤት ህዝባዊ ጥዕና “Public health Emergency Management” ካብ ትካላት ጥዕናን ኵለን ወረዳታትን ሙሉእ ጸብጻብ ክረኽባ ከምዘይከኣላ ተሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ፡ ስራዊት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን መብዛሕቲኡ ትካላት ጥዕና ትግራይ ከምዝዘመትዎን ከምዘዕነውዎን ዝፍለጥ እዩ።