ስድራን ጠበቃን ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ውድብ ባይቶና ኣይተ ክብሮም በርሀ ንፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከሲሶም።

ቅድሚ ሰሙናት ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጲያ ተታሒዙ ዝተኣሰረ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ውድብ ባይቶና ኣይተ ክብሮም በርሀ ሃለዋቱ ብዝምልከት ጠበቃኡ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ክሲ መስሪቱ።

ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጲያ ብሓይሊ ተዓፊኑ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቤት ማእሰርቲ ክራውን ተወሲዱ ድሕሪ ምእሳሩ ሃለዋቱ ዝጠፈአ ክብሮም በርሀ፡ ክሲ ዝተመስረተሉ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ንፌደራል ፖሊስ ኣሕሊፉ ከምዝሃበ ትማሊ ኣብ ፒያሳ-ኣራዳ “ሦስተኛ” ምድብ መጋባእያ ኣብ ዝወዓለ መጋብእያ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ፌደራል ፖሊስ ብወገኑ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ሃለዋት ክብሮም በርሀ ከምዘይፈልጥን ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከምዘይተቀበለን ገሊጹ።

ሃለዋት ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጲያ ብሓይሊ ተዓፊኑ ናይ ዝተወሰደ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ውድብ ባይቶና ኣይተ ክብሮም በርሀ ጠበቃን ስድራን ደሃይ ክረክቡ ብዙሕ እኳ እንተፈተኑ ክሳብ ሐዚ ግን ሃለዋቱ ከረጋግጹ ኣይኸኣሉን።

መልሲ ፌደራል ፖሊስን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ብዝምልከትን ሃለዋት ክብሮም በርሀ ንምርካብን ጽባሕ ኣርባዓተን ፈረቃን ኣብ ተመሳስሊ ቤት ፍርዲ መግባእያ ዝውዕል እንትኸውን ክሳብ እዚ ዜና ዝተሰረሓሉ እዋን ደሃይ ኣይተ ክብሮም በርሀ ኣይተረኸበን።

ብተደጋጋሚ ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጲያ ተዓፊኑ ዝተኣሰረ ክብሮም በርሀ “ምጽኣት” ዝብል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈጸመ ጆኖሳይድ ዘዘትው መጸሓፍ ዘሐተመ እንትኸውን ነዚ ስዒቡ እውን ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ተጨውዩ ሃለዋቱ ክጠፍእ ከምዝተገብረ ይፍለጥ።

ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ማእሰርቲ ክብሮም በርሀ ብዝምልከት ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ ስርዓት ኢትዮጲያ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክፈትሖ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ ይዝከር።