ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ዘላቒ መፍትሒ ዘይምርካቡ ከምዘተሓሳሰቦም ተመዛበልቲ ተዛሪቦም።

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ቀንዲ ኣጀንዳ ንሰብኣዊነት ዝግደስ ሰብ ክኸውን እናተገበኦ ይርሳዕ ምህላው ጠቒሶም።

ኣብቲ ዞባ ዝተረፈ ህዝቢ ብዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኢትዮጵያን ብግፍዒ እንትጭፍጨፍ ብዝተፈላለዩ ሚድያታት ስለዝተቓለዐ መንግስቲ ይኹን ትካላት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ብስቕታ ምዕዛቦም ከምዘተሓሳሰቦም ገሊፆም።

እቶም ተመዛበልቲ ንያበለ ሚድያ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ህዝቢ እቲ ዞባ ገሊኡ ኣብ ውሽጢ ብፀላእቲ እናተጨፍጨፈ ገሊኡ ተመዛቢሉ ብጥሜት እናማሰነ ብስቕታ ምዕዛብ ንፀላእቲ ምትሕብባር ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ካብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ጣብያ ትርካን ዝተመዛበለት ኣዶ 5 ቆልዑ ወይዘሮ ፀጋ ከበደው “ክረምቲ ክሳብ ዝኣቱ ዓድና ኬድና ደኾን ንዘርእ ተስፋ ኔሩና” ብምባል “ትግራዋይ ከምብሄር ዝተጨፍጨፈሉ ምዕራብ ትግራይ ተረሲዑ ሕዚ ኣብ ስግኣት ኣብ ተስፋ ምስኣን ተዳሪግና ኣለና” ክትብል ተዛሪባ።

“ንሕና ከምሰብ ኣይንቑፀርን ዲና?” ክትብል ዝሓተተት ወይዘሮ ፀጋ “እዚ ግበሩልና ከምዚ ወስኹልና ከይኮነስ ኣብ ዓድና ምንባር መሰልና ስለዝኾነ ናብታ ሰሪሕና ንነብረላ ገዛና ተመሊስና ብሰላም ክንነብር እዩ ሕቶና” ኢላ።

ካብ መንበሪ ገዝኣ ካብ ትፈናቐል 21 ኣዋርሕ ዘቑፀረት ነባሪት ወረዳ ፀገዴ ከተማ ዳንሻ ወይዘሮ ህንፃ ገብረመድህን “እዚ ኹሉ መስካሕኽሒ ገበናት ተፈፂሙና ንስክላኣ ብህይወት ተሪፍና ወፂና ግን ሐዚ እውን እቲ ኩነታት ተስፋ ስኢንናሉ” ትብል።

ኣብ ኣርባዕተ ወርሒ 15 ኪሎ እናተውሃቡ “ትሕቲ ህይወት ልዕሊ ሞት ናብራ ኣለና” ዝበለት ወይዘሮ ህንፃ “ናብ መረበትና ንምለሰሉ ተስፋ ዘይምህላው ከዓ ዘሕምም እዩ” ክትብል ገሊፃ።

ካብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ጣብያ ሩዋሳ ዝተፈናቐሉ ቀሺ ብርሃነ ታደለ ብወገኖም “ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ እዩ ምስተብሃለ ዓድና ኬድና ክንዘርእ ኢና ተዳሊና ፀኒሕና” ክብሉ ተዛሪቦም።
ይኹን እምበር “ሰላማዊ ፍታሕ ካብ ዝበሃል 6 ወርሒ ሓሊፍዎ ንሕና እውን ስቓይና እናገደደ ይኸይድ ኣሎ” ኢሎም።

እቶም ተመዛበልቲ ወሲኾም ብዛዕባ ሰብኣዊነትን ሰብኣዊ መሰልን ዝሓስብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ትኹረቱ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብ መረበቱ ኣብ ዝምለሰሉ ዘላቒ መፍትሒ ክኸውን ከምዝግበኦ ፀዊዖም።