ገለ ተመዛበልቲ ከተማ መቐለ ዝወረደና ፀገም ልዕሊ እዚ ክንፃወሮ ኣይንኽእልን ኢሎም።

ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ብሰንኪ ጥሜትን ሕማምን ንሞት ይቃልዑ ከምዘለው ገሊፆም።

መተሓባባሪት መዕቖቢ ተመዛበልቲ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ለካቲት 23 ወይዘሮ ፀጋ ከበደው 3 ሰባት ብሰንኪ ጥሜትን ስእነት መድሓኒትን ኣብቲ መዕቖቢ ከምዝሞቱ ተዛሪባ።

“ብፍሉይ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ወገናት እንትጠምዩ ስለዘይፃወሩ ሽዑ ንሽዑ ይሞቱ ኣለው” ብምባል ኣብቲ ማእኸል ዝሞቱ 3 ሰባት ዝጠቐሰት እታ መተሓባባሪት መድሓኒት ብዘይምህላው ድማ “ተስፋ እቶም ዝተረፉ ሕሙማት ዘፀልመተ ቅልውላው” ከምዝተፈጠረ ገሊፃ።

“ሕማም ፀኒሕዎምስ ካብኡ ዝብላዕ ስኢኖም ምስጠመዩ ከምቲ ካሊእ ክፃወሩ ኣይከኣሉን ሞይቶም” ኢላ።

“ሀዚ እውን ዝተረፉ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ደቂሶም መዓልቲ ሞቶም ይፅበዩ ኣለው” ብምባል ትካላት ገበርቲ ሰናይ ውሕስና ጥዕና ክበፅሓሎም ኣተሓሳሲባ።

ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ መተሓባበሪ ጉጅለ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት እቲ ቢሮ ኣይተ ኣረጋይ ገብረመድህን “መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ሕዱር ሕማማት ዘይምህላው ኣካል እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ኣዋጅ ቅልውላው ጥዕና” ከምዝኾነ ገሊፁ።

ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ለካቲት 23 ጥራሕ 1250 ሰብ ከምዝነብር ዝገለፀት መተሓባባሪት እቲ ማእኸል ወይዘሮ ፀጋ ከበደው ክታበት ህፃናት ዘይምህላው እውን ካሊእ ስግኣት ጥዕና ዝፈጥር ምዃኑ ሓቢራ።

ንባዕላ ካብ ትወልድ ክልተ ኣዋርሕ ዘሕለፈት ወይዘሮ ፀጋ ክሳብ ሐዚ ንጓላ ክታበት ክትረክብ ብዘይምኽኣላ ከምዝተሻቐለት ገሊፃ።

ወይዘሮ ህንፃ ገብረመድህን ብተመሳሳሊ ክታበት ክትውድእ ትፅቢት ዝግበረላ ጓላ መሳርሒ ክታበት ኣብ ትካላት ጥዕና ስለዘየለ ከምዘይተኸተበት ተዛሪባ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንክልተ ዓመት ዝዘለቐ ፖሊሲ ዕፅዋ ምኽንያት ትሕቲ 5 ዓመት ህፃናት ትግራይ ስሩዕ ክታበት ዘይምርካቦም ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ መተሓባበሪ ኬዝ ቲም ኣዴታትን ህፃናትን ኣይተ ገብረሃወርያ ገብረክርስቶስ ሓቢሩ።

እቲ መተሓባበሪ ወሲኹ “እዚ ድማ ኣብ ትግራይ ንቐፃሊ ወለዶ ዝሰጋገር ጥዕናዊ ጉድለት ዘስዕብ” ከምዝኾነ ጠቒሱ።

ወይዘሮ ህንፃ ገብረመድህን ብወገና “ኣብ እዋን ክራማት ህፃናት ሒዝና ኣብ ሓደ ክፍሊ ክሳብ 30 ዝበፅሕ ሰብ እናነበረ ምስቲ መድሓኒት ዘይምህላውስ ሕማም ከይለዓል ንፈርሕ ኢና” ክትብል ተዛሪባ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ማእኸላት ተመዛበልቲ ዘሎ ፃዕቒ ተመዛበልቲ እውን ለበዳ ተመሓላለፍቲ ሕማማት እንተተላዒሉ ካሊእ ጠንቂ ጥዕናዊ ቅልውላው ከይኸውን ስግ ኣት ከምዘሎ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ለካቲት 23 ን43 ጥኑሳትን ሓራሳትን ሓዊሱ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ግልጋሎት ሕክምና ዘድልዮም ወገናት ከምዘለው ዝገለፀት መተሓባበሪት እቲ ማእኸል ወይዘሮ ፀጋ ከበደው ብስእነት መድሓኒት ኣብ ከቢድ ምቅዋስ ጥዕና ከምዝጠሓሉ ተዛሪባ።

ኣብቲ ማእኸል ዘዕቖበት ወይዘሮ ህንፃ “ረዲኤት ኣብ ኣርባዕተ ወርሒ 15 ኪሎ ስለዝውሃብ ጥሜት እውን ሓደ ዓርሱ ዝኸኣለ ሕማም ይኸውን ኣሎ” ክትብል ገሊፃ።

ኣብ ከተማ ዳንሻ ብንግዲን ሕርሻን ስድራኣ ትጥውር ዝነበረት ወይዘሮ ህንፃ “ንሕና ንዓድና ንምለሰሉ ዘላቒ መፍትሒ እዩ ዘድልየና እምበር ኣብዚስ ህፃናት ሒዝና ህይወት ከቢዱና” ኢላ።

“ሰብ ብተስፋ እዩ ፀገም ተፃዊሩ ዝነብር ንሕና ግን ተስፋና ፀልሚቱ ተፃውሮና ተፀንቂቑ” ዝበለት ወይዘሮ ፀጋ ከበደው ኣብዚ ክረምቲ ናብ ዓዳ ክትምለስ ዝነበራ ተስፋ ዘይምስማሩ ከምዘሕዘና ተዛሪባ።