ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቛርን ልቓሕን ፋና መንእሰይ ኮር ባንኪግ ከምዝጀመረ ተሓቢሩ።

ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቛርን ልቓሕን ፋና መንእሰይ ብናይ ውሽጢ ዓቕምን ብናይ ትግራይ ክኢላታትን ተሓጊዙ ናይ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ቴክኖሎጂ ኮር ባንኪንግ ብ30 ሓመለ 2014 ከምዝጀመረ ተገሊጹ።

እቲ ኣገልግሎት ላዕለዎት ሓለፍቲን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረከብሉ ብድሙቕ ኩነታት ተመሪቑ ከምዝተጀመረ ተሓቢሩ።

እቲ ግልጋሎት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ብዘሎ ዓቅምን ገንዘብን ዝሳለጥ እንትኸውን ነቲ ሐዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕጽዋ ግልጋሎት ባንኪ ብመጠኑ እውን ንምቕራፍን ዘሎ ጸገም ንምቅላልን ከምዝሕግዝ ተገሊጹ።

ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ዕጽዋን ምቁራጽ መሰረታዊ ኣገልግሎት ስዒቡ ኣብ ትግራይ ምንቅስቃስ ገንዘብን ንግድን ኣጸጋሚ ከምዝኾነን ነዚ ንምቅላል ብውሽጣዊ ምትዕርራያት ዓቅሚ ንምህናፅ ይስራሕ ከምዘሎ ይፍለጥ።