ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሱዳን ዝርከቡ ተጋሩ ህጹጽ ሓገዝ ክረኽቡ 22 ኣባል ኮንግረስ ኣሜርካ ጸዊዖም።

ብራድ ሸርማንን ኮሪ ቡከርን ዝርከብዎም 22 ኣባላት ኮንግረስ ኣሜርካ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ልዕሊ 60 ሽሕ ስደተኛታት ተጋሩ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ክረክቡ ጸዊዖም።

እቶም ኣባላት ኮንግረስ፡ ናብ ሓላፊት ትካል ሕብራት መንግስታት ኣሜርካ ንኣህጉራዊ ምዕባለ( USAID) ሳማንታ ፓወር ኣብ ዝተጸሓፈ ዕላዊ ደብዳበ ኣብ ሓምዳይትን ካልኦት ኣብ ሱፋን መጽለሊ ስደተኛታት ዝርከቡ ተወሳኪ ሓገዝ ምግቢን ማይን ከምኡ እውን ኮቦርታን ናውቲ ጽሬትን ክረክቡ ጸዊዖም።

እዞም ስደተኛታት ብሰንኪ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጥምየትን ተሰዲዶም ከምዝመጹን ሐዚ ኣብ ከቢድን ኣጸጋሚን ኩነታት ከምዝርከቡ ኣብሪሆም።

ኣብ መጽለሊ ስደተኛታት ሱዳን ዝርከቡ ተጋሩ ኣብ ማዓልቲ ሓደ ግዜ ከምዝበልዑን ብሰንኪ ኣብቲ መጽልሊ ዘሎ ኣጸጋሚ ኩነታት ስልፍታት ምክያድ ምጅማሮ እቶም ኣባላት ኮንግረስ ዝገለጹ ኮይኖም ትካል ሕብራት መንግስታት ኣሜርካ ንኣህጉራዊ ምዕባለ( USAID) ነዚ ኩነታት ቀዳምነት ብምሃብ ክዓመሉ ጸዊዖም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጲያ ብዘሎ ኣስጋኢ ኩነታት ስደተኛታት ናብ ሱዳን ክውሕዙ ከምዝክእሉ ዝሓበሩ እዞም ኣባላት ኮንግረስ ኣሜርካ ትካል ሕብራት መንግስታት ኣሜርካ ንኣህጉራዊ ምዕባለ( USAID) እኹል መጽለሊ ኣብ ዶብ ኢትዮጲያ ሱዳን ከዳልው ጸዊዖም።

ስርዓታት ኢትዮጲያን ኤርትራን ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝኣወጅዎ ኲናት ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ካብ መረበቶም ዝተሰደዱ ኮይኖም ብሚልዮናት ድማ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተመዛቢሎም እዮም።

ተጋሩ ስደተኛታት ሱዳን ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኩነታት ከምዘለውን እቲ መጽለሊ ጣብያ ብተደጋጋሚ ብሓዊን ውሑጅን ከምዝፈረሰን ይዝከር።