መበል 33 ዓመት መዓልቲ ምስረታ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ይኽበር ከምዘሎ ተገሊፁ።

መበል 33 ዓመት መዓልቲ ምስረታ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፡ ካብ ነሓሰ 01 ክሳብ 10 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ንዓሰርተ መዓልቲ ዝፀንሕ “ቅነ ማልት” ይኽበር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ ምድላው “ቅነ ማልት” ብዝተፈላለየ ትሕዝቶታት ተኣጂቡ ይኽበር ከምዘሎን ከምኡ እውን ፈለማይን ታሪኻውን ከምዝኾነ ማልት ሓቢራ።

ብምዃኑ እውን ቀንዲ ዕላማ እቲ ቅነ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ከም ቀደሙ ውዳበታቱ ኣሐይሉ ኣብ ጎኒ ማልትን ህዝቢ ትግራይን ብምስላፍ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ሰብኣዊ ሓገዝን ስራሕቲ ዳግመ ሕውየት ትግራይን እጃሙ ንምብርካት ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ከምኡ እውን ዓለም ለኸ መረአያ ሓድነትን ፅንዓትን ህዝቢ ትግራይ ንዝኾኑ ዲያስፖራ ንምምስጋንን፣ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ድማ ንንባዕሉ ንክተሓጋገዝ ንምልዕዓል ዝዓለመ ከምዝኾ ተሓቢሩ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብግዱሳትን ፈተውቲ ዓዶምን ዳያስፖራ ተጋሩ ኣብ ኣሜሪካ ዋሺንግተን ዲሲ ብ 06 ንሓሰ 1981 ዓ.ም ዝተመስረተት ክትከውን ከላ ዛጊድ ድማ 33 ዓመት ኣቕፂራ ኣላ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ እትምስረት ናብዚ ኣብ ደገን ውሽጢ ዓድን ምስ ዝርከብ ትግራዋይ ብምትሕብባር ኣብ ሰብኣውን ልምዓታውን ተግባራት ብምንቅስቓስ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ ትግራይ ህዝቢ ዝሃባ ሓላፍነት እናተዋፀአት ምፅናሓ ይፍለጥ።