ሕብረት ኣፍሪቃ ከይዲ ዘተ ሰላም ትግራይ ዝተሓላለኸ ንክኸውን ይሰርሕ ከምዘሎ መንግስቲ ትግራይ ገሊፁ።

ሰራዊት ኤርትራ ዶባት ጢሒሱ ትግራይ ክወርር ከሎ ቢሒም ከይበለ ዝፀንሐ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊ ዝተኻየደ ወራር ድማ ሕጊ ምኽባር ብምባል መግለፂ ክህብ ከምዝፀንሐ ሓላፊ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ገሊፁ።

እቲ ዘተ ሰላም ንክጅመር ህዝቢ ትግራይ መንግስቲ ትግራይ ብዝወሰዶ ተበግሶ ናብዚ ሕዚ በፂሒዎ ዘሎ ብርኪ ኣብ ዝበፅሐሉ እዋን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ፡ ስርዓት ኢሳያስ ንበይኑ ተነፂሉ ንከይተርፍ ዝገብሮዎ ዘለዎ ፃዕሪ እዩ ዝመስል ኢሉ።

ኣብዚ እዋን ብሰራዊት ኤርትራ ዝተትሓዘ መሬት እናሃለወ ካብኡ ውፃእ ናብ ቦታኻ ተመለስ ክብል እኳ ድፍረት ዘይብሉ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕዚ በፂሑ ነቲ ከይዲ ሰላም ዝተሓላለኸን ዝተወሳስብን ክኸውን ዝገብር ከምዝኾነ ኣይተ ረዳኢ ሓቢሩ።

ከምኡ እውን እቲ ሕብረት ኣብ ዘይሻራዊነቱ ዘጠራጠር ነገር የለን መንግስቲ ትግራይ ዝብሎ ዝነበረ እወ ኣይተጋገኻን ዝብል ኣፍልጦ ክንዲ ምሃብ ዝቑፀር ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ እቲ ከይዲ ንተበደልቲ ፍትሒ ንምርግጋፅን ንምክሓስን እንተኮይነስ ገበነኛታት ከይሕተቱን ከይነፃፀሉን ኣጃሚሉ ንምምፃእ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ።

ኣብ ጉዳይ ትግራይ፡ ንስርዓት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ከምዝውግን ዝንገረሉ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘተ ሰላም ስርዓት ኤርትራ እውን ክሕወስ ኣለዎ ምባሉ ኣዘራራቢ ምዃኑ ይዝከር።