ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ተምሃሮ ኩሉ ዓይነት ግፍዒ ከምዝቃወም ማሕበር ተምሃሮ መላእ ኣፍሪቃ ገሊፁ።

ማሕበር ተምሃሮ መላእ ኣፍሪቃ “AASU” ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ተወላዶ ትግራይ ዝተፈፀመ ሓይላዊ ስጉምቲ፣ ቅትለትን ምፍርራሕን ከምዝቃወም ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ኩሉ ሰብ እዚ ሕማቕ ተግባር ብምቅዋም ሰብኣዊ መሰላት ተጋሩ ተምሃሮ ክሕሉን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ክስራሕን ፀዊዑ ኣሎ።

ማሕበር ተምሃሮ መላእ ኣፍሪካ ብዝብል ተወከልቲ ዝተፈላለዪ ማሕበራት ተምሃሮ ሃገራት ኣፍሪካ ዝሓቖፈ እንትኾን ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ዘብፅሖ ተግባራት ግፍዒ ደው ክብል ሓቲቱ ኣሎ።

ኣብቲ መግለፂ ቅዋም ብመንነቶም እናተፈለዩ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ዪኒቨርስታት ኢትዬጲያ ዝርከቡ ተጋሩ ተምሃሮ ዝፍፀም ዘሎ ቀፃሊ ግህሰት ደዉ ንክብል ዓለም ለኸ ትካላት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ካልኦት ወገናት ፅዐንቶ ክገብሩ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስዱ ኣተሓሳሲቡ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዘለው ሚልዮናት ተጋሩ ብመንነቶም ጥራይ ብጅምላ ብምእሳር፣ ግዳይ መቕተልትን ስቅያትን ክኾኑ እንዳሰርሐ ምምፅኡ ዝፍለጥ እዩ።