ኣብ ትግራይ፡ ዝኣተወ ሰብኣዊ ረዲኤት ዛጊድ ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ክከፋፈል ከምዘይከኣለ ሑቡራት ሃገራት ገሊፁ።

ኣብ ትግራይ፡ ዝኣቱ ሰብኣዊ ረዲኤት ዋላ እኳ እንተቐፀለ ኮይኑ ግና ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ናብ ሕብረተሰብ ክከፋፈል ከምዘይከኣለ ሑቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

ከምኡ እውን ብምኽንያት ሕፅረት ጥረ ቕርሺ ኣብ ትግራይ ዝግበር ምብፃሕ ሰብኣዊ ረዲኤት ኣዚዩ ከቢድ ከምዝገበሮ እቲ ትካል ገሊፁ።

ዋላ እኳ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልቲ 12 ቦቲ ነዳዲ ዝፀዓና መኻይን እንተኣተዋ ኮይኑ ግና ነቲ ስራሕ ሙሉእ ብሙሉእ ንምስላጥ በቢ ወርሑ ኣስታት 2 ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ከምዘድሊ ሑቡራት ሃገራት ኣብሪሁ።

ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ዘበናዊ ድኹዒ ንምክፍፋል፡ ብፈንድ ማእኸላዊ ግብረ መልሲ ሓደጋ ግዜ “CERF” ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ከምዝተሰለዐን ዕድጊት ይሳለጥ ከምዘሎን ሓቢሩ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሓዊሱ፣ ዝኣተወ ረዲኤት እኽሊ ንምክፍፋል በቢ ወርሑ ክኣቱ ዝግበኦ ክልተ ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲን ጥረ ቅርሺን ወዘተ ከይኣቱ ምኽንያታት እንዳፈጠረ ይኽልክል ከምዘሎ ይፍለጥ።