ኣብ ትግራይ ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት ኣስታት 500 ሽሕ ከምዝበፅሐ ተሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብሰንኪ ዝተወለዐ ኲናት ቁፅሪ ዝሞቱ ሰለማውያን ሰባት ኣስታት 500 ሽሕ ከምዝበፅሐ ኣገልግሎት ዜና ካቶሊክ ኣቃሊሑ።

እዚ ሞት ሰለማውያን ሰባት ዘጋጠመ ድማ ብምኽንያት ጥምየት፣ ብቀጥታዊ ቅትለት፣ ስእነት ሕክምናን መድሓኒትን ከምዝኾነ እቲ መርበብ ሓበሬታ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ እውን ኣብ ትግራይ ኣስታት 20 ኣዋርሕ ብሰንኪ ብስርዓት ኢትዮጵያ ዝተገበረ ዕፅዋን ክባን ኣገልገልቲ ቤተክርስቲያን ህዝብን ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘለው ንሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ተስፋስላሴ መድህን ብምፅራሕ ኣብሪሁ።

ብምዃኑ ድማ ሰባት ዕለታዊ ናብራኦም ንምስዓር ኣብ ዝቃለስሉ ህሞት ሰለማዊ ኩነታት ንምርግጋፅን ዜጋታት ብናፅነት ክነብሩን ማሕበረሰብ ዓለም እጃሙ ክዋፃእ ፀዊዖም።

ኣብ ትግራይ ኲናት ካብ ዝእወጅ ናብዚ ዝሓለፈ ዓመት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣበይ ከምዘሎ ኣይፍለጥን ከምዝበለ ይዝከር።