ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ትግራይን ልዝብ ክጅምሩ ኣሜሪካ ከምተተባብዕ ሓቢሩ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ብፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ዝተመርሐ ዑደት ምዝዛሙ ስዒቡ ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ትግራይን ናብ ኲናት ካብ ዘምርሑ ዘረባታት ክዕቀቡን ልዝብ ክጅምሩን ኣሜሪካ ከምትሕግዝ ኣረዲኡ።

ብፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ዝምራሕ ጉጅለ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፡ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን መራሕቲ መንግስቲ ትግራይን ተራኺቡ እዩ።

ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ ንምውዳእ ዝግበር ጻዕርታት ብዝምልከት ከምዝተዘራረቡን ክልቲኦም ወገናት ዘተ ሰላም ክጅምሩ ድልየት ከምዘለዎምን ምግለፁ ይዝከር።

ከምኡ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ትግራይን ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘተ ክጅምሩ ሓገዝ ከምዝገብሩን ኩሎም ወገናት ድማ ዓመጽን ፅልእን ካብ ዘጓሃህሩ ዘረባታት ክቑጠቡን ምሕታቶም ይፍለጥ።

እንተኾነ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ንዘተ ሰላም ድልየት ዘለዎ እኳ እንተመሰለ፡ ንዘተ ሰላም ብመንግስቲ ትግራይ ከምቅድመ ኩነት ዝተቐመጡ ጉዳያት ክትግብር ፍቓደኛ ከምዘይኮነን ንኲናት ይዳሎ ከምዘሎን ዝፍለጥ እዩ።

መንግስቲ ትግራይ፡ በቲ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝኽተሎ ዘሎ ግዜ መግዘኢ ፖሊሲ ይታለል ከምዘሎን ህፁፅ ስጉምቲ ዘይምውሳዱን ብምጥቃስ ብዙሓት ሊህቃን ትግራይ ይቕስዎ።