ውድብ ዓረና ትግራይ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጲያን ትግራይን ዝግበር ዘተ ብሓደ ውድብ ጥራሕ ክሳለጥ ከምዘይግባእ ኣፍሊጡ።

ቪኦኤ  ዘዘራረቦ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ውድብ ዓረና ትግራይ ንዲሞክራስን ልኣለውነትን ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሰ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጲያን ትግራይ ክካየድ ተታሒዙ ዘሎ ዘተ ብወገን ትግራይ ብሓደ ውድብ ጥራሕ ክትውከል ከምዘይግባእ ተዛሪቡ።

እቲ ዘተ ብሓደ ውድብ ወይ መንግስቲ ክካየድ የብሉን ዝበለ ዓምዶም ገብረስላሰ  “ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቭክ ማሕበራትን ኣብዚ ጉዳይ ጥልቅ ዝበለ ኣፍልጦ ዘለዎም ምሁራት እውን ዘሳተፈ ክኽውን ይግባእ።” ኢሉ።

ትግራይ ኣብቲ ዘተ ከመይ ትወከል ዝብል ዛዕባ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ኣዝዩ መካትዒ ጉዳይ ኮይኑ ዝርከብ ኮይኑ ውድብ ዓረና ትግራይ እውን ኣብቲ ዘተ ትግራይ ብሓደ ውድብ ክትሳተፍ ኣይግባእን ዝብል ቅዋም ከምዘለዎ ብሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ውድብ ኣቢሉ ኣመላኪቱ ኣሎ።

መሰረታዊ ኣገልግሎት ምኽፋት ዝምልከት ኣካል ዘተ ክኸውን ከም ቅድመ ኩነት ክቀርብን ከምዘይግባእን እዚ ናይ ህዝብታት ተፈጥራዊ መሰል ከምዝኾነን ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ቪኦኤ ዘዘራረቦ ኣቦ መንበር ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ሃያሉ ጎድፋይ፡ ቁም ነገር ዘለዎ ዘተ ክህልው እዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ብምሕባር እቲ ዘተ እንተተጌሩ ግን ብሓደ ውድብ ዝግበር ዘተ ከይዱ ከይዱ ኣብ ኢድ ክልላዊ መንግስቲ ዘውድቐናን እንተከፊኡ ድማ መሬትና ኣረኪብና እታ ዝተረፈት መሬት ሒዝና ኣብ ክሊ ኢትዮጲያ እንነብረሉ ዕድል እዩ ክህልው ዝክእል ክብል ተዛሪቡ።

ከም ህዝቢ ከይተዳለናን ድልየታትና ከይተወከሉ ኢና ናብቲ ዘተ ንኣትው ዘለና ዝበለ ሃያሉ ጎድፋይ ድልየት ሓደ ወገን ዘንጸባርቅ ዘተ ክሳለጥ ከምዝኽእል ስግኣቱ ኣቀሚጡ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ውድብ ናጽነት ትግራይ ዶክተር ደጀን መዝገበ ኣብ መግለጺ ፍሉይ ልኡኻት ኣሜርካን ሕብረት ኣውሮጳን እቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጲያን ውድብ ህወሓትን ከምዝካየድ እዩ ተቐሚጡ ዘሎ እዚ ማለት መንግስቲ ትግራይ ዝብል ከምዘየለ ንቪኦኤ ተዛሪቡ።

ውድብ ህወሓትን መንግስትን ድማ ተፈላልዩ ክርኣይ ከምዝግባእ ገሊጹ።

መጻኢ ዕድል ወሎዶታት ትግራይ ብተደጋጋሚ ፈቲኑ ዝፈሸለ ውድብ ህወሓት መሰረታዊ ጠለባት ትግራይ ኣማሊኡ ይመርሖ እዩ ዝብል እምነት ስለዘየለ ናይ ወሎዶታት ሕቶ ብሓደ ውድብ ጥራሕ ዝውሰን ስለዘይኾነ ምስ ህወሓት ዝግበር ዘተ ቅብሉነት ከምዘይብሉ ተዛሪቡ።

ጉዳይ ዘተ ኣመልኪቱ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ: ውድብ ባይቶና: ውድብ ናጽነት ትግራይን ውድብ ዓረና ትግራይን ብሓባር ትግራይ ብሓደ ውድብ ክትሳተፍ የብላን ዝብል ቅዋም ዝሓዛ ክኾና ከለዋ ገዛኢ ውድብ ህወሓት ድማ ብመንግስቲ ትግራይ እዩ ክሳለጥ ኣብ ዝብል ቅዋሙ ጸኒዑ ይርከብ።