ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘተ ሰላም ኢትዮ-ትግራይ፡ ኤርትራ ክትሳተፍ ሓሳብ ምቅራቡ ከምዘተሓሳስቦ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ፍሉይ ልኡኻት ሕብረት ኣውሮጳን ኣሜርካን ናብ መቐለ ዝገበርዎ ዑውደትን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ ስዒቡን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ ኤርትራ ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝምራሕ ዘተ ሰላም ክትሳተፍ ብኦሊሳጎን ኣባሳንጆ ሓሳብ ምቕራቡ ከምዘተሓሳስቦ ገሊጹ።

ፍሉይ ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍርካ ኣሊሳጎን ኣባሳንጆ ኣብ ካውንስል ሰላምን ድሕንነት ኣፍሪቃ ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መብራህሪሂ ኤርትራ ኣብቲ ዘተ ክትሳተፍ ከም ሓሳብ ምቅራቡ እቲ ዘተ ካብቲ ተተሒዙ ዝነበረ ኣወንታዊ መገዲ ከይውጽኦ ስግኣት ከምዘለዎ ገሊጹ።

ክሳብ ሐዚ እቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጲያን ህወሓትን ክሳለጥ እዩ ተባሂሉ ዝጸነሐ እንትኸውን ሕብረት ኣፍሪካ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ባዕሎም ንባዕሎም ከም ስግኣት ይረኣኣዩ እዮም ብዝብል ኤርትራ ከም ሓደ ወገን ኣብቲ ዘተ ክትሳተፍ ሓሳብ ኣቅሪቡ ይርከብ።

ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕረ ባይቱኡ እንትረአ እቲ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጆ ኲናት ዝድግፍን ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝተማሃዙ ሓሳባት የጋውሕ ኣሎ ዝበለ
ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ እቲ ዘተ ብገለልተኛ ወገን ክሳለጥ ጸዊዑ።

ካብዚ ብተወሳኪ ቀጻልነት ዘለዎ ዘተ ሰላም ክሳለጥ እንተኾይኑ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሕራን ብዘይቅድመ ኩነት ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወጹ ከምግባእ ጸዊዑ።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ እቶም ፍሉይ ሉኡኻት ኣሜርካን ኣውሮጳን ኣብ ትግራይ ዝገበረዎ ዕውደትን ዘውጽእዎ መግለጽን ዝናኣደ ኮይኑ መንግስቲ ኢትዮጲያ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክኸፍትን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዓንቀፍቀፍ ክኣቱ ዝኣተዎ መብፀዓ ብቀረባ ክኸታተሎ ፀዊዑ።

ከምኡ እውን ናብ ኣምሓራን ዓፋርን ዝኣትው ሓገዝ ናብ ሰሜን ኢትዮጲያ ተባጺሑ ብዝብል ሓፈሻዊ ቃል ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሓገዝ ከምዘሎ ተገይሩ ጸብጸባት ይቀርቡ ብምህላዎም ብዕቱብ ክትትል ክግበረሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።