ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ኮነ ተባሂሉ እዚ “ፓርክ ወያነ” እዩ ብዝብል ከቢድ ጉድኣት ክበፅሖ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ብሰንኪ ኲናት ከቢድ ጉድኣት ከምዘጋጠሞ ኢትዮጵያ በዓል ስልጣን ሓለዋ እንስሳት ዘገዳም ኣፍሊጡ።

ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ንሓለዋ ሓርማዝ ተባሂሉ ዝተሓጸረ ኮይኑ፡ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተወለዐ ኲናት ሓለዋ እቲ ፓርክ ከምዝተቛረፀ ተሓቢሩ።

ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ንብረት፣ ሃብትን ትሕተ-ቅርጽን እቲ ፓርክ ከቢድ ዕንወት ከምዝተፈፀሞ ነቲ በዓል ስልጣን ብምጥቃስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ፀብፂቡ።

ብሄራዊ ፓርክ ቃፍታ- ሸራሮ ብደረጃ ኢትዮጵያ ብሃብቲ ዓጋዘን ኣብ መበል ካልኣይ ደረጃ ይስራዕ ከምዝነበረን ድሕሪ ኲናት ትግራይ ብዝተፈፀመ ዘይሕጋዊ ሃደን ግን ዓጋዘን ምርኣይ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ከምዝተበፅሐ ተረጋጊፁ።

ምኽንያቱ ድማ ንሃብቲ ተፈጥሮ ካብ ፖለቲካ ፈሊኻ ብዘይምርኣይን እዚ ፓርክ ወያነ እዩ እናተባህለ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንዓጋዘን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ እንስሳት ዘገዳም ከም ዝሃለቑ ሓላፊ ፓርክ ቃፍታ- ሸራሮ ኣይተ ታጠቅ ሻውል ገሊፁ።

ብተወሳኺ እቲ ዝግበር ዝነበረ ሓለዋ ብምቍራፁን እቲ ኣግራብ ንመጓስነት ብምግልጋሉን እቶም ካብ ሃደን ዝተረፉ እንስሳት ዘገዳም ይስደዱ ከምዘለው ተሓቢሩ።

ስርዓት ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘካየድዎ ዝተዋደደ ወራር፡ ኣብ መሬት ትግራይ ዘሎ ሃብቲ ንምጥፋእን ንምዕናውን ዝከኣሎም ኩሉ ከምዝገበሩ ዝፍለጥ እዩ።