መንግስቲ ኢትዮጲያ ህዝቢ ትግራይ ገንዘቡ ከይጥቀም ኣገልግሎት ባንኪ ዓፅዩ ከቢድ ግፍዒ ይፍፅም ከምዘሎ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ።

ስርዓት ኢትዮጲያ ን20 ኣዋርሕ ንልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ገንዘቡ ከይንቀሳቐስን ከይጥቀምን ባንኪታት ብምዕጻው ከቢድ ግፍዒ ይፍጽም ከምዘሎ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ።

ኣብ ዓለም ን20 ኣዋርሕ ንልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኣገልግሎት ባንኪ ዝክልክል መንግስቲ ኣበይ ኣሎ ብዝብል ሕቶ ዘቅረበ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጲያ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ይፍጸም ከምዘሎ ኣብ ቲዊተር ገጹ ኣብ ዝጠቀዖ መልእክቲ ገሊጹ።

ብሰንኪ እዚ ዕጽዋ ህዝቢ ትግራይ ኣገልግሎት ሕክምና: ምግብን ካልኦት ንምንባር ዘድልዩ መሰረታዊ ኣቅርቦት ክረክብ ከምዘይከኣለ ወሲኹ ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ምቁራጽ መሰረታዊ ኣገልግሎት ብዝምልከት እቲ ኣገልግሎት ክጽግኑ ናብ ትግራይ ንዝኸዱ ሰብ ሞያ ውሕስና ከይረኸብኩ ኣገልግሎት ክጅመር ኣይፈቅድን ብዝብል ምኽኒት ክሳብ ሐዚ ንዲፕሎማሰኛታት ክዛረብ ዝጸነሐ ኮይኑ ኣብ ቀረባ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ውሕስና ክንህብ ኢና ዝብል ደብዳበ ብኢድ ዲፕሎማሰኛታት ምስ በጸሖ ግን ቅድሚ ዘተ ከምዘይጅምር ምፍላጡ ዝዝከር እዩ።