ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ብሰንኪ ህወሓት ዓቕሚ ዘተ ትግራይ እናወረደ ዕፃ ትግራይ ካብ ኢድና ይወፅእ ኣሎ ክብል ከሲሱ።

ኣብ መንጎ ስርዓት ኢትዮጵያን ህወሓትን ክካየድ ዝተብሃለ ድርድር፡ ኢትዮጵያ ናይ ምድሓንን ምቕፃልን ባህግን ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ዘሀግርን ካብ ምዃን ዝሓልፍ ከምዘይኮነ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ውድብ ቅድም ኢሉ እውን ‘ንትግራይ ዝውክል ኣነ ጥራይ እየ’ ዝብል ዕቡይን ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ዝሃስይን ኣከያይዳ ህወሓት፡ ትኽክል ከምዘይኾነ ከምዝገለፀ ኣረዲኡ።

ከምኡ እውን ኣብቲ ዘተ ይመላእ-ይፈፀም ሕብረት ኣፍሪካ ሻራዊነቱ ንኢትዮጵያ ምግባሩ ከይኣክል፡ ንስርዓት ሻዕቢያ እውን ኣካል እቲ ዘተ ክኸውን ዕድመ ኣቕሪብሉ ኣሎ።

እዚ ድማ ዓቕሚ ዘተ ትግራይ ክንደየናይ ከምዝወረደ ዘርኢ ኾይኑ ዕፃ ትግራይ ካብ ኢድና ይወፅእ ከምዘሎ እውን ዘመላኽት ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ እቲ ንዘተ ክቕመጥ እዩ ዝተብሃለ ሓይሊ ትግራይ፡ ረብሓ ትግራይ ማእኸል ዝገብር ዘተ ከካይድ እዩ ዝብል ትስፍው እንተልዩ፡ እቲ ‘በይነይ እየ ዝዛተ’ ኢሉ ዝሓንገደ ህወሓት ዘለዎ ፖለቲካዊ እምነት ዘየስተብሀለ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ውድብ ሳወት ሕገመንግስቲ መሰረት ዝገበረ ዘተ ይካየድ ምባል፡ ብሓፂሩ እቶም ህዝቢ ትግራይ ደም ደቁ ከፊሉን ተፈጥሯዊ መሰሉ ተጠቒሙን ምእንተ ህላውኡ ዘቖሞም ትካላት ክፈርሱ ፍቓድ ምሃብ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ትግራይ ከምወትሩ ብሄራዊ ስምረቱን ሓድነቱን ኣስጢሙ ናፅነት ንዝጥምት ኹለመዳያዊ ቃልሲ ዓርሱ ድልዊ ክገብር ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ፀዊዑ።

ቅድም ክብል ውድባት ውናት፣ ባይቶናን ዓረናን እውን ውድብ ህወሓት በይነይ ከካይዶ እየ ዝብል ዘሎ ዘተ ሰላም ቅቡል ከምዘይኮነን ውክልና ውድባትን ካልኦት ዓቕምታትን ትግራይ ክጥቀም ከምዘለዎ ምግላፆም ይፍለጥ።

ውድብ ህወሓት ብወገኑ ህዝቢ ትግራይ ዝመረፆ ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ ከምዘሎ ብምግላፅ እቲ ዝግበር ዘተ ብውክልና መንግስቲ ትግራይ ከምዝምእኸልን ከምከም ኣድላይነቱ ካብ ዳያስፖራን ካልኦት ውዳበታትን ከሳትፍ ከምዝኽእል ምግላፁ ዝፍለጥ እዩ።

ከምኡ እውን ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ከምዝኾነ ወላ እኳ ተደጋጋሚ እንተገለፀ ኮይኑ ግና ምስ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ዘለዎም ዘይምቅዳው እንዳሰፍሐ ይኸይድ ከምዘሎ ተዓዘብቲ ይገልፁ።