ሕብረት ኣውሮፓ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ክወፅእ ፀዊዑ።

ሕብረት ኣውሮፖ ተረሲዑ ዘሎ ጉዳይ ወራር ትግራይ ዕልባት ክረክብ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።

ሓላፊ ጉዳያት ወፃእን ድሕንነት ፖሊስን ሕብረት ኣውሮፓ ጆሴፍ ቦረል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይ ንሰላም ዘለዎም ተበግሶ ብግብሪ ከርእዩ ፀዊዑ።

ከምኡ እውን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝሓዞም ከባብታት ትግራይ ክወፅእ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይገደብ ክኣቱን ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክጅምርን ከምዘለዎ ገሊፁ።

ጆሴፍ ቦረል፡ ህዝቢ ትግራይ በቲ ዝተወለዐሉ ቅሉዕ ኲናትን ወራርን ኣብ ዝኸፍአ ዓፀቦ ከምዘሎን ነዚ ኲናት ብዘተን ሰለማዊ መንገድን ንምፍታሕ ኲናት ብምትራፍ ተጓነፅቲ ሓይልታት ሙሉእ ምትእምማን ከምዘድሊ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኻየደ ወራር ንምእማኖም ዝኸብዱ ግፍዕታትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝተፈፀሙን ሕጂ እውን እንተኾነ ህዝቢ ትግራይ ክባን ዕፅዋን ኣትዩ ኣብ ከቢድ ሽግር ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ማሕበረሰብ ዓለም፡ ጉዳይ ትግራይ የተሓሳስበኑ ኣሎ፣ የሻቕለና ኣሎ፣ ዝብሉ ተደጋጋሚ መግለፅታትን ካብ ምውፃእን ሓሊፉ ተግባራዊ ስጉምቲ ዘይምውሳዶም ዘይፍትሓዊ ከምዝኾነ ተዓዘብቲ ይገልፁ።