ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ቅርስታተይ ካብ ኢትዮጵያ ክምልስ እየ ኢላ።

ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ጥንታውን ሃይማኖታውን ቅርስታትን ንዋያትን ትግራይ ብዓለም ለኸ ሕጊ ናብ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ከምእትምልሶም ሓቢራ።

ኣብቲ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ጥንታዊ ንዋየ ቅዱሳን፣ ቅርስታትን ብምውናን፣ ፊደል ግእዝ ብምቕራፅን ያሬዳዊ ዜማ ናብ ዘበናዊ ሙዚቃ ክሰጋገርን ሊቃውንቲ ቤተ-ክርስትያን ዝለዓለ ብፂሒት ከምዘለዎም ኣቃሊሑ።

ግዝያዊ ኣካያዲ ስራሕ ላዕለዋይ ቤተክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶን ሊቀ ጳጳስ ኣህጉረ ስብከት ዞባታት ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኣብ ትግራይ ካብ ዝተመስረተሉ 4ይ ክፍለ ዘበን ክሳብ 13 ክፍለ ዘበን ኣክሱም ከም ዝነበረ ንቴሌቪዥን ትግራይ ሓቢሮም።

ኮይኑ ግና መንግስትነት ኣብ ኢድ ሽዋውያን ምስ ኣተወ መንበረ ሰላማ ናብ ተኽለሃይማኖት ብምቕያር ሃይማኖትን መንግስትን ብሽርሒ ከምዝተሓዋወሱ ኣብሪሆም፡፡

ብምዃኑ እውን መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ምስ ስርዓት ኢትዮጵያ ሸሪኾም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ይፍፅሙ ብምህላዎም ነዚ ንምውጋዝን ህዝባ ንምሕላውን ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ዓርሳ ዝኸኣለትን ናብ ብርኪ ሲኖዶስ ዝዓብን ላዕለዋይ ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ከምዝመስረተትን ሓቢሮም፡፡

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ዝኣወጀት ኢትዮጵያ፡ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ኢትዮጵያ ነቲ ምፅናት ዘርኢ ደጊፎም ደው ከምዝበሉን ኢሉ እውን ወተሃደራት ኢትዮጵያ መሪቖም ናብ ትግራይ ከምዝሰደዱ ዝፍለጥ እዩ።