ብርሕቀት ዝግበር መጽናዕቲ ዘርኢ ምጽናት ትግራይ፡ መንግስቲ ትግራይ ከምዘይትቅበል ኮምሽን መጽናዕቲ ጆኖሳይድ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ኮምሽን መጽናዕቲ ጆኖሳይድ ትግራይ ኣይተ የማነ ዘርኣይ  ምስ ትግራይ ቴሊቭዥን ኣብ ዝገበሮ ጻኒሒት መንግስቲ ትግራይ ብርሕቀት ዝግበር መጽናዕቲ ጆኖሳይድ ከምዝቃወም ተዛሪቡ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፍጸሙ ዝተሓላለኹ ዘርኢ ናይ ምጽናት ገበናት ብርሑቕን ብውሑድ መርኣዪ(sample)  ክግበር ኣይኽእልን ዝበለ የማነ ዘርኣይ እቲ ገበን ኣብ ልዕሊ መላእ ትግራይን ተጋሩን ከምኡ እውን ትካላት ትግራይ ዝተፈጸመ ብምዃኑ ናብ ትግራይ መጺኦም ብተግባር እንታይ ከምዝተፈጸመ ርእዮም ከጽንዑ ከምዝግባእ ተዛሪቡ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ክባን ዕጽዋን ኮይኑ ተግባራት ዘርኢ ምጽናት ይፍጸምሉ ከምዘለውን ሕጂ እውን ኣብ ምዕራብ፣ ሰሜናዊ ምዕራብን ማእከላይ ምብራቅ ትግራይን ኣብ ትሕቲ ጸላእቲ ወዲቆም ገበን ይፍጸመሎም ከምዘሎ ሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኪ ኣብዞም ከባቢታት እዚኦም ምጥፋእ መረዳእታን ምቅጻል ኣስከሬንን ይስራሕ ከምዘሎን እዚ ከጽንዕ ብውድብ ሕብራት ሃገራት ዝተጣየሸ ኮምሽን ናጻን ገለልተኛን ኮይኑ ክሰርሕ መንግስቲ ትግራይ ከምዝጸወዐ ገሊጹ።

እዚ ንምግባር መንግስቲ ትግራይን ኮምሽን መጽናዕቲ ጆኖሳይድ ትግራይን ሙሉእ ሓገዝን ምትሕብባርን ከምዝገብሩ ኣፍሊጡ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከጽንዕ ዝተጣየሸ ዓለም ለኻዊ ኮምሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ ኣብ ኢትዮጲያ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝገብሮ ርክብ ሓፍ ዘበለ እንትኸውን ብወገን ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ርክብ ብዘይምክያዱ ክውቀስ ጸኒሑ እዩ።