ኣብ ትግራይ ጾታዊ ዓመጽ ዝበጸሐን ወገናት ሓገዝ ክግበረለን፡ 16 ዓለም ለኻዊ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰባት ጻዊዒት ኣቅሪበን።

ኣብ ትግራይ ጾታዊ ዓመጽ ዝበጸሐን ወገናት ሓገዝ ክግበረለን፡ 16 ዓለም ለኻዊ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰባት ናብ ዋና ጻሓፊን ፍልይቲ ተወካሊትን ኣብ ግጭት ዝፍጸም ጸታዊ ዓመጽ ፕራሚላ ፓተን ኣብ ዝጸሓፈኦ ደብዳበ ጸዊዐን።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋን ምቁራጽ መሰረታዊ ኣገልግሎትን ኣብ ህዝቢ ዘብጽሖ ጉድኣት ከምዘለዎ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ እተን ግዳይ መስካሕክሒ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዘብጽሖ ጉድኣት ከቢድ ከምዝኾነን ግዳይ ጸታዊ ዓመጽ ዝኾና ወገናት ክረኽባኦ ዝግባእ ሓገዝ ከይረኽባ ከምዝተከልከላ ገሊጸን።

ኣብ ውሽጢ ትግራይ ክረኽባኦ ዝግባእ ዝነበረ ሓገዝ እንተኾነ እውን ጥዕና ትካላት ኮነ ተባሂሉ ብምዕናው ኣገልግሎት ክረክባ ከምዘይከኣላ እተን 16 ዓለም ለኻዊያን ትካላት ገሊጸን።

ስለዝኮነ እውን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምርካብን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ጾታዊ ዓመጽ ንምሕላው  መግለፂ ቅዋም ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕብራት ሃገራት ( resolution) ቁጽሪ 1325ን 1820ን ናብ ተግባር ከሽርፎን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ክባን ዕጽዋን ከብቅዕ ፕራሚላ ፓተን  ክጽውዓ እተን ሲቪል ማሕበራት ሓቲተን።