ትግራዋይ ድምፃዊ ሮፍናን፡ ምስ ፈፃሚ ጉዳያት መንግስቲ ኣሜሪካ ከምዝዘተየ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣቃሊሑ።

ትግራዋይ ድምፃዊ ሮፍናን፡ ምስ ፈፃሚ ጉዳያት መንግስቲ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ትሬሲ ኣን ጆኮብሰን ከምዝዘተየ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

ድምፃዊ ሮፍናን፡ ምስ ፈፃሚ ጉዳያት መንግስቲ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ትሬሲ ኣን ጆኮብሰን ዝተዘራረበ፡ ብዛዕባ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምስ ዩኒቨርሳል ሙዚክ ግሩፕ ውዕል ከቲሙ ዝዘርገሓ “ሽዱሽተ” ዘርእስታ ኣልበም ሙዚቃ ኣመልኪቱ ከምዝኾነ እቲ ኤምባሲ ገሊፁ።

እቲ ብቕዲ ኤሌክትሮኒክስ ሙዚቓ ዝፍለጥ ስነ ጥበባዊ ሮፍናን ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ቅልውላው ኲናት ንዝተሃሰዩ ሰባት ካብ ጭንቀቶም ንኽናገፉ ሙዚቃ ከምዝሰርሕ ንማዕኸን ዜና ንቢቢሲ ገሊፁ ነይሩ።

ብተወሳኺ ሮፍናን ድምጻውን ገጣምን ከምዝኾነን ስራሕቱ “ወለዶይ ከም መፈወሲ ከምዝጥቀመሉ’የ ዝኣምን” ምባሉ ይፍለጥ።

ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብሰንኪ ዝተወልዐ ኵናት ምኽንያት“ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኣዝማደይን ኣዕርኹተይን ክረኽቦም ብዘይምኽኣለይ ጭንቀት ፈጢሩለይ” ኢሉ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ኣዊጁ ብሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ካብ መብዛሕቲኡ መሬት ትግራይ ተሳዒሩ ካብ ዝወፅእ ናብዚ ኩሉ ዓይነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከምዝዓፀዎ ዝፍለጥ እዩ።