ኣብ ትግራይ መባእታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ሓፈሻዊ ገምጋም ምዝገባ ናብ 20.8 ሚኢታዊ ከምዝነከየ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ሓቢሩ።

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣብ ቀረባ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ  መጽናዕቲ  መባእታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ሓፈሻዊ ገምጋም ምዝገባ 20.8 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ኣብ መባእታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝነበረ ሓፈሻዊ ገምጋም ምዝገባ ኣብ 2020 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ካብ ዝነበሮ 85.5 ሚኢታዊ ናብ 20.8 ሚኢታዊ ከምዝነከየ ኣብሪሁ።

ምኽንያቱ ድማ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ክባን ተደጋጋሚ ደዳብን ከምዝኮነ እቲ ምጸናዕቲ ዝሓበረ ክኸውን ከሎ ኣብተን ትምህርቲ ዝተጀመረለን ከባቢታ ዘሎ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንተምሃሮን መምሃራንን ኣዝዩ መጸገሚ ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ልዕሊ 91 ሚኢታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ማእኸል ገይሩ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ 88 ሚኢታዊ ክፍልታት፣ 96 ሚኢታዊ ዴስክታት፣ 97 ሚኢታዊ ጸሊም ሰሌዳ፣ 85 ሚኢታዊ ኮምፒተራትን 87 ሚኢታዊ ፕላዝማ ቴሊቭዥን ከምዝተጎደአ እቲ መጽናዕቲ ኣቃሊዑ።

ኣብ ንብረት ካብ ዝበፅሐ ዕንወት ብተወሳኪ 1911 ተምሃሮ ዝርከብዎም 2146 ኣባላት ማሕበረሰብ ቤት ትምህርቲ ብወረርቲ ከምዝተቀተሉን ካብዚኦም 84 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ሓቢሩ።

ኣብ ሰለስተ ዓሰርታት ዓማውቲ ዝተሃነጸ ስርዓት ትምህርቲ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኲናት ንድሕሪት ከምዝተመለሰ ዝገለጸ እቲ መጽናዕቲ ናብቲ ዝነበሮ ብርኪ ንምምላስ ዓማውቲ ከምዝወስድ ሓቢሩ።