ኣብ ትግራይ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዋጋ ሓደ ኩንታል ጣፍ ልዕሊ 20 ሽሕ ብር ከምዝሽየጥ ተሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ብስሩዕ ኣብ ማእከላት ዕዳጋ ሓደ ኩንታል ጣፍ ካብ 15 ክሳብ 17 ሽሕ ይሽየጥ ከምዘሎ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ከምኡ እውን ገለ ሰራሕተኛታት ትካል ገባሪ ሰናይ፡ ዝዀነ ሰብ ዋላ በቲ ዝበሃል ዘሎ ክባር ዋጋ ጣፍ ክገዝእ እንተደልዩ ብቐጥታ ካብ ነጋዶ ዘይኮነስ ብደላሎ ከምዝኾነን ዋጋ ሓደ ኩንታል ልዕሊ 20 ሽሕ ብር ከምዝበፅሕን ሓቢሮም።

መንቀሊ እቲ ናህሪ ዋጋ ድማ ኣብ መሸጣ ዋጋ ጣፍን ካልኦትን ተመን ምውጽኦም ነቲ ወሰኽ ዋጋ ከምዘጋደዶ ተሓቢሩ።

ሓደ ዳኒኤል ዝተባህለ ነባሪ ከተማ መቐለ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ህዝቢ ብሰንኪ ሕጽረት መሰረታውያን ቀረባትን ምውሳኽ ዋጋ ሸቐጣትን ኣዝዩ ሕሱም ኵነታት መነባብሮ የሕልፍ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ብፍላይ ድማ ዋጋ ጣፍ ንህሉው ኵነታት ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዘይኮነ ወሲኹ ሓቢሩ።

ብምዃኑ እውን “ዋጋ ጣፍ ኣዝዩ ወሲኹ’ሎ። ነጋዶ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ጨኪኖም፣ ንኵነታት ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ዘየእተወ ተግባር እዮም ዝፍጽሙ ዘለው። ከቢድ ኵነታት ኢና ንሓልፍ ዘለና። ብዙሓት እንጀራ ክምገቡ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ በጺሕና ኣለና” ኣረዲኡ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ህዝባዊ ኣኼባ ተረኺቦም መልሲ ዝሃበ ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል “እቶም ዘይሕጋውያን ነጋዶ ውሑዳት እዮም። ብዝርዝር ሒዝናዮም ኢና። ህዝቢ ዝነገረና ጥራሕ ዘይኮነስ ባዕል’ውን ኣፃሪናዮ ኣለና። ስጕምቲ እውን ክንወስድ ኢና። ምሉእ ሓበሬታ ምስ ረኸብና ናብ ሕጊ ከነቕርቦም ኢና” ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።

እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ነዚ ዝቕይድ ዝኾነ ሕጊ ከምዘይወፀ፣ ዝግበር ቁፅፅር ኣዚዩ ትሑትን ብሕጊ ተሓተቲ ዝኾኑ ነጋዶ ከምዘየለውን ተዓዘብቲ ይገልፁ።