ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከምሓድሽ ተወላዶ ኣምሓራ መሬት ይዕደሉ ከምዘለው ተፈሊጡ።

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ማይ-ካድራ፡ ተወላዶ ኣምሓራ ንኽጣየሱን መሬት ክሕዙን ብላዕለዎት ሰብ-መዚ ክልል ኣምሓራ ይስራሕ ከምዘሎ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣቃሊዑ።

እቲ ፀብፃብ ኣብ ማይ ካድራ ኣምሓሩ ከም ብሓድሽ ክጣየሱን ክሰፍሩን ብሰብ መዚ ክልል ኣምሓራ ድፍኢትን ምትብባዕን ይግበረሎም ከምዘሎን እናሸንሸኑ ከምዝርከቡን ኣረጋጊጹ።

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘለዉ ገለ ተጋሩ ከምዝበልዎ፡ ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ምዕራብ ትግራይ ዘርኢ ናይ ምጽናት ተግባር ዝፈጸምዎ ከይኣክል ነቲ ከምገለ ኢሉ ካብ ሞት ዝተረፈ ትግራዋይ ብምብራር፡ ኣብ ማይ ካድራ ኣምሓሩ ክሰፍሩ ይግበር ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ እቲ ኣገባብ ቅኑዕ ከም ዘይኰነን ዘድሊ ምጽራይ ክግበርሉን ጸዊዑ።

ሓይልታት ኣምሓራ ብዝምታን ናይ ሓሶት ሓተታ ብምቕራብ ዘይመሬቶም ብሓይሊ ጐቢጦም ገበናት እናፈጸሙን ህዝቢ ካብ መረበቱ እናመዛበሉን ዳርጋ ክልተ ዓመት ቀሪቦም ኣለዉ።

ከምኡ እውን ምስ ዕሱብ ሰራዊት ኢሳያስ ብምሽራኽ ንምሉእ ትግራዋይ ምዕራብ ትግራይ ዝቕተል ቀቲሎም ንዘይኣርከብሎም ድማ ፍቖዶ ካልኦት ሃገራትን ማእኸል ትግራይን ክስደድ ከምዝገበሩ ይዝከር።

ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ካብ ምዕራብ ትግራይ ጥራይ ልዕሊ 1 ነጥቢ 7 ሚልዮን ትግራዋይ ከምዘመዛበሉ፣ ከምዝጨፍጨፉን ብማእሰርቲ ከምዘሳቐዩን ይፍለጥ።

ኣብዚ ዝሓለፈ እዋን ድማ ኣሰር ኣስከሬን ብጅምላ ዝጨፍጨፍዎም ተጋሩ ከይርከብ ምስ ዩኒቨርሲቲ ጐንደር ብምትሕብባር፡ እናፈሓሩ ከግዕዝዎ ምጽንሖም ይዝከር።