ብፖለቲካዊ ዘተ ዘላቒ ሰላም ክመፅእ ስለዘይኽእል፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምውሓስ ብቐዳምነት ክስረሐሉ መድረኽ ናፅነት ትግራይ ፀዊዑ።

መንግስቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ዘካይድዎ ድርድር ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ኣብ ዘይተኸበረሉን ተጋሩ ምዕራብ ትግራይ ብወረርቲ ኣብ ዝጭፍጨፉሉን ኩነታት ብፖለቲካዊ ድርድር ዘላቒ ሰላም ክመፅእ ከምዘይኽእል ዝሓበረ መድረኽ ናፅነት ትግራይ ታሪኻዊ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምውሓስ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ክስረሐሉ ኣገንዚቡ።

እቲ መድረኽ 7 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ግእዝ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ከምዝሓበሮ መሬት ትግራይ ብወረርቲ ተጉቢጡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሕሱም ስቓይ ኣብ ዘለሉ ኩነታት ፖለቲካዊ መፍትሒ ብዝብል ሽፈን ዝካየድ ድርድር ዘላቒ ሰላም ከምፅእ ከምዘይኽእል ኣጠንቂቑ።

ከምኡ እውን ንምዕራብ ትግራይ ሓዊሱ ሰፊሕ መሬት ትግራይ ብወረርቲ ተታሒዙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፅንተት ኣብ ዝካየደሉ እዋን ግዝ ኣታዊ ሓድነት ትግራይ ከውሕስ ዘይከኣለን ንፅንተት ተጋሩ ምኽንያት ዝኾነን ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምመማእዘኒ ድርድር ንምጥቃም ዝግበር ምንቅስቓስ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ጠቒሱ።

ኣብቲ መድረኽ ታሪኻዊ መሬት ትግራይ ዝምልከት ሓሳብ ዘቕረበ ኣመራርሓ ማሕበር ምምላስ መንነትን መሬትን ትግራይ ኣይተ ኣብርሃ ገብረኣረጋዊ “ትግራይ መዋስንታ ኣገውን ቅማንት እዩ” ብምባል “ብወገን ኣምሓራ ትግራይ ናይ ምጉባጥ ብመንግስቲ ዝድገፍ ምንቅስቓሳት እንትገብሩ ምስ ኣገውን ቅማንትን ዝዋሰኑ ታሪኻዊ ከባብታት ትግራይ ብመፅናዕቲን ብመርትዖን ናብ ምትእኽኻብ” ከምዝኣተው ገሊፁ።

ይኹን እምበር “መንግስታዊ ሚድያ ትግራይ ከይንጥቀም ምኽልካል” ሓዊሱ እቲ መሪሕነት እውን “ኣንፃር ሕገመንግስቲ ትሰርሑ ኣለኹም” ዝብል ክሲ ይቐርበሎም ምፅንሑ ኣረዲኡ።

“ብዝተፈላለዩ ሰነዳት ንረኽቦ ጥንተ ግዝኣት ትግራይ ዝበሃል ክሳብ ሱዳን ዝኸይድ ክሳብ የመን ዝበፅሕ ብዓፋር ኣቢሉ ሰፊሕ ቦታ ዘካለለ” ከምዝኾነ ጠቒሱ።

ካብ 16-18 ክፍለ ዘመን ኣብ ዘሎ ግዜ እናፀበበ ከይዱ ግዝኣት ትግራይ “ካብ የጁ ክሳብ ራእሲ ደጌና ናብ ለማሊሞ ቀፂሉ እውን እንዳበርቂ ንሶም ደባርቕ ዝብልዎ ከምኡ እውን እንዳባትን መተማ ዮውሃንስን ዝዝርጋሕ ታሪኻዊ መሬት ትግራይ” ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ሃፀይ ዮውሃንስ ኢትዮጵያ ካብ ወረርቲ ንምምካት ኣብ ዝነበሮም ተጋድሎ ምስወኦም ስዒቡ “ሃፀይ ምንሊክ ብ1880ታት ምስ መፀ ተከዘ ምላሽ ተቖሪሱ ንኣዝማድ እቴጌ ጣይቱ ከምዝተውሃበ ናይ ቀረባ ታሪኽ ስለዝኾነ ኩልና ብመርትዖ ክንቃለሰሉ ዝግባእ እዩ” ኢሉ።

“ድሒሩ ድማ ብ1940 እዚ ናይ ኣልወሃ ምላሽ ክሳብ ኣበርገለ ንወሎን ጎንደርን ከምዝኸደ ንፈልጦ ኢና” ዝበለ ኣይተ ኣብርሃ ገብረኣረጋዊ ብኢህወደግ እውን ብስም ማዕርነታዊ ሓድነት መንነቱ ዓቂቡ ዝፀንሐ ክፋል ህዝቢ ትግራይ ብሓይሊ ኣምሓራን ዓፋርን ናብ ዝብል ከምዝተኻለለ ገሊፁ።

“እዚ ኹሉ መንነትንና ግዝኣትናን ትግራይ ንምድኻም እንትውሰድ ምስ ጎረባብትና ብሰላም ክንነብር ብዝብል ሓዳግነት ትግራዋይ ብትኹረት ስለዘይተመልከቶ መንነቱን ክብርታቱን ብኻልኦት ክሳብ ዝውረስ” ከምዝበፀሐ ኣረዲኡ።

ኣባል ኣመራርሓ እታ ማሕበር ኣይተ ለገሰ በርሀ ብወገኑ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ትግራይ ንመንነታዊ ዘላቕነትን ታሪኻዊ ግዝኣታዊ ሓድነትን ከምዘላቒ ረብሓ ተጋሩ ወሲዱ ክሰርሐሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ኣባል ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ኣይተ ግርማይ ገብረሚካኤል እታ ማሕበር ትግራዋይ መንነት ምዝላቕ ምስ ዝዓለማ ፖለቲካዊ ውዳበታት ተሓባቢራ ክተሰርሕ ከምዝግባእ ሓቢሩ።

ሓላፊ ጉዳያት ርክብ ህዝቢ ውድብ ናፅነት ትግራይ ዶ/ር ደጀን መዝገበ ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተወጠነ ወራር እንትዳሎ ብሰንኪ ድኽመት መሪሕነት ትግራይ ብ2008 ዓ.ም ሰፊሕ መሬት ግጨው ኣይተ ኣባይ ወልዱ ፈሪሞም ንኣምሓራ ክወሃብ ዝተገበረሉ ኩነታት ሓደ ኣብነት ከምዝኾነ ጠቒሱ።

ዶ/ር ሃንሳ ተኽላይ ብወገና እታ ማሕበር ካብ ምትእኽኻብ መርትዖን ስነዳን ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ክትኣቱ ከምዝግባእ ገሊፃ።

“እቲ ሐዚ ሒዝናዮ እኔና ቃልሲስ ዓለም ብምንታይ ክትሪኦ ኢና ንደሊ?” ዝብል ሕቶ ዘልዓለት ዶ/ር ሃንሳ “ተጋሩ ብፃዕርና ኣብ ዓለም ተደለይቲ ክንኮን ምስራሕ እንተኽኢልና ኢና ከባቢና ክንፅሉ ንኽእል” ክትብል ሓቢራ።

ኣባል ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ደስታ ብወገኑ “መሬትና ዝውሰድ ዘሎ ብድኽመት ናይ ባዕልና መራሕቲ እምበር ብጥንካረ ካልኦት ስለዘይኮነ ልዕሊ ትግራዋይ ብሄራውነት ስልጣን ዘገድሶም መራሕቲ መንነታዊ ዘላቕነትና ንምውሓስ ክንቃለሶም ይግባእ” ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ሐዚ ዝካየድ ድርድር እውን ንምዕራብ ትግራይ ሓዊሱ ሰፊሕ መሬት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ወዲቑ ኣብ ዘለሉ ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፅንተት ኣብ ዝፍፀመሉ ኩነታት ብምዃኑ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ከየውሓስካ ዝግበር ፖለቲካዊ ዝርርብ ዘላቒ ሰላም ከምዘየምፅእ ምርዳእ ከምዘድሊ ኣይተ ተስፋይ ኣረዲኡ።