ትማሊ ካብ ሰመራ ናብ ሸኸት ዝገዓዙ ተጋሩ 240 ጥራይ ከምዝኾኑ ተመለስቲ ኣረጋጊጾም።

እቶም ትማሊ ዝተመለሱ ሰለማውያን ተጋሩ ካብ ኣብዓላ ብሓይሊ ተገፊፎም ናብ ሰመራ ተወሲዶም ኣብ ክልተ ማእከላት ተዳጒኖም ዝፀንሑ እዮም።

ኣብቲ መዳጎኒ ዝጸንሑ መራሒ ስድራ ሽማግለ፡ “ተዓፊንና ኢና መጺእና ነይርና”። “ጥኑሳት፣ ሓራሳት፣ ሽማግለታትን ኣካለ-ጎዶሎን ከይተረፉ ካብ ቤት ንብረትና ምስ ስድራና ኣውጺኦምና” ክብሉ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኣብቲ እዋን ቅርሺ ዘለዎ ቅርሹ ሓዲጉ፡ ገንዘብ ዘለዎ ገንዘቡ ሓዲጉ እዩ ተሓፊሱ ከምዝተወሰደ ይገልጹ።

ከምኡ እውን መብዛሕትኦም ሓረስቶት ከምዝኾኑን ጽቡቕ ኣታዊ ከምዝነበሮምን ክኾኑ ከለው ሕጂ ግን ኣእካሎምን ንብረቶምን ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተዘመተ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዝጸንሑሉ መዳጎኒ ማእከል ልዕሊ 85 ሰለማውያን ተጋሩ ብሕማምን ጥሜትን ከምዝሞቱን ኣብቲ ከባቢ ከምዝተቐብሩን እውን ኣረጋጊጾም።

እንተኾነ እቶም ክሳብ ሕጂ ዝገዓዙ 240 ጥራይ ከምዝኾኑን ምስተመለሱ ኸ ውሕስነት ኣለዎም ዶ? ሙሉእ ንብረቶም ሃብቶም ኣብ ዝተዘመተሉ ብኸመይ መነባብሮኦም ከምዝደፍኡን ዝተፈለጠ ነገር የለን።

እቶም ልዕሊ 10 ሽሕ ሰለማውያን ተጋሩ፡ ካብታ መረበቶም ዝኾነት ከተማ ሸኸት ምሩኻት ተባሂሎም ተታሒዞም ቅድሚ 8 ወርሒ ዝተወሰዱ ከምዝኾኑ ይፍለጥ።