ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ፡ ደሃይ ፖሎቲኬኛ ክብሮም በርሀ ኣይረኸብኩን ኢሉ።

ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ሓላፊ ርክብ ጉዳያት ወፃኢ ውድብ ባይቶና ኣይተ ክብሮም በርሀ ከም ዘይተረኽበን ትማሊ ንቤት ፍርዲ ከምዝገለፀን ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣቃሊሑ።

ከምኡ እውን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንፖሎቲኬኛ ክብሮም ዘረከበሉ ሰነዳዊ መረዳእታ ንኸርእዮ ድማ ፌደራል ፖሊስ ነቲ ቤት ፍርዲ ከምዝሓተተ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ እቲ ቤት ፍርዲ ሓለፍቲ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ንፖሎቲኬኛ ክብሮም በርሀ ሓዊሱ ሓቢሮምዎ ዝተትሓዙ 20 እሱራት ንፌደራል ፖሊስ ዘረከብሉ ሰነዳዊ መረዳእታ ሒዞም ን18 ነሓሰ 2014 ዓ/ም ክቐርቡ ትእዛዝ ከምዝሃበ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ትማሊ ዝነበረ መጋባእያ ዝተረኸቡ ስድራ እሱራት፣ በቲ ኩነታት ኣዝዮም ከምዝተጨነቑን ክሳብ ሕጂ ዘለውሉ ቦታብዘይምፍላጡ ከምዘተሓሳሰቦምን ሓቢሮም።

ቅድሚ ወርሒ ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጲያ ብሓይሊ ተዓፊኑ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቤት ማእሰርቲ ክራውን ተወሲዱ ድሕሪ ምእሳሩ ሃለዋቱ ዝጠፈአ ክብሮም በርሀ፡ ክሲ ዝመስረተሉ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ንፌደራል ፖሊስ ኣሕሊፉ ከምዝሃበ ኣብ ፒያሳ-ኣራዳ “ሦስተኛ” ምድብ መጋባእያ ኣብ ዝወዓለ መጋብእያ ገሊፁ ነይሩ።

ብተደጋጋሚ ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጲያ ተዓፊኑ ዝተኣሰረ ክብሮም በርሀ “ምጽኣት” ዝብል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈጸመ ጆኖሳይድ ዘዘትው መጸሓፍ ዘሐተመ እንትኸውን ነዚ ስዒቡ እውን ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ተጨውዩ ሃለዋቱ ክጠፍእ ከምዝተገብረ ይፍለጥ።

ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ማእሰርቲ ክብሮም በርሀ ብዝምልከት ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ ስርዓት ኢትዮጲያ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክፈትሖ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ ይዝከር።