መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ተፃብኦ ደው ምባል ከምዝጠሓሰ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ሓቢሩ።

ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ብኣንፈት ደደቢት ደብዳብ ከቢድ ብረትን ታንክታን ከምዘካየደ ኣፍሊጡ።

ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንሰላም ድልዊ እየ እናበለ ንማሕነረሰብ ዓለም ዝጀሃር ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጲያ ብትሸዓተ ነሓሰ ብኣንፈት ደደቢት ንሓደ ሰዓት ዝጸነሐ ደብዳብ ከምዝፈጸመ ገሊጹ።

እቲ ብላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ኢትዮጲያ ተወሲኑ ዝተገበረ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረት ዘብጽሖ ጉድኣት ኣይተገለጸን።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ብሓይሊ ወሪሩ ኣብ ዝሓዞ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ ብምኳን ዝፈጸሞ ደብዳብ፡ ሰራዊት ትግራይ ዓጸፋዊ መልሲ ከምዘይሃበ ዝሓበረ እቲ መግለጺ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ መንጎ መንግስቲ ትግራይ መንግስቲ ኢትዮጲያን ብሳልሳይ ወገን ኣቢሉ ዝተበጸሐ ናይ ተናጸል ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ተጸብኦ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ከምዝጠሓሰ ኣፍሊጡ።

ብምኳኑ  ማሕበረሰብ ዓለም ሃገር ናብ ጠቕላላ ዕንወት ዘምርሕ ዳግም ኲናት ክውላዕ ኣብ ምግባር ብሕታዊ ተሓታቲ ናይ ሰላም ኣማራጺ ሓዲጉ ናብ ኲናት ዝኣትው ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጲያ ምዃኑ ክፈልጦን ክግንዘቦን ከምዝግባእ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ኣጠንቂቁ።