ኣብ ትግራይ ካብ ዝድለ ጠለብ መድሓኒት ዛጊድ ዝኣተወ ሓሙሽተ ሚእታዊ ጥራሕ ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ኣብ ትግራይ ስእነት መድሓኒትን ምክፋት ሓደሽቲ ኣብያተ መድሓኒትን ኣመልኪቱ ቪኦኤ ዘዘራረቦ ሓላፊ በዓል መዚ ቁፅፅር መድሓኒትን ምግቢን ትግራይ ኣይተ ጠዓመ ዓረዶም፡ ስርዓት ጥዕና ትግራይ ዓንዩ ብምንባሩ ኣብ ትግራይ ሓደሽቲ ጥዕና ክሊንካትን ሓደሽቲ ኣብያተ መድሓኒትን ከምዝተኸፈታ ሓቢሩ።

ኮይኑ ግና እተን ዝኽፈታ ዘለዋ ገለ ትካላት እንትረኣያ ዝኾነ ይኹን ፍቃድን መረጋገጺ ብቕዓትን ዘይብለን ዝተኸፈታ ከምዝነበራ ገሊጹ።

ብምዃኑ እውን ፍቃድ ዘይብለን ከባቢ 30 ፋርማሲታትን 12 ክሊኒካትን ክዕሽጋ ከምዝተገበረን ፍቃድ ከውጽኣ ዝከኣላ ድማ ከምዝቀጸላ ሓቢሩ።

እንተኾነ ሕጽረት መድሓኒት ብሰፊሑ ኣብ ዝረኣየሉን ኣብ ክባን ዕጽዋን ኣብ ዘላን ትግራይ እተን  ብዓሰርተታት ዝቁጸራ ሓደሽቲ ቤት መድሓኒትን ትካላት ጥዕናን እቲ መድሓኒትን ናውቲን ካበይ ከምዝረኸባኦ ዝተገለፀ ነገር የለን።

እቲ ትካል ሕጋዊ ኣግባብ ዘይተኸተላ ትካላት ናብ ናይ ሕጊ ስርዓት ክኣትዋ ወይ ክዕሸጋ ይግበር ከምዘሎ ጥራሕ እዩ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ብሓገዝ ካብ ዝኣትው ዘለው መድሓኒታት ኣብ ትግራይ ካብ ዘሎ ናይ መድሓኒት ጠለብ ሓሙሽተ ሚኢታዊ ጥራሕ ከምዝኮነ ኣይተ ጣዓመ ተዛሪቡ።

ብመንጽር ትግራይ ዘድሊያ መድሓኒት ክርአ ከሎ እቶም ብጣዕሚ ኣገደስቲ ዝበሃሉ መድሓኒታት ብውሑድ ከምዝኣትው ተገሊጹ።

ብፍላይ እቶም ንመጥባሕቲ ኣዚዮም ዘድልዩ ከም መደንዘዚ፣ ናይ ካንሰርን ዲያሌሲስን ዝበሉ ከምዘይኣትው ተዛሪቡ።

እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ዝጠለቦን ዘድሊን መድሓኒት ዘይኮነ ዝኣትው ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝፈቀዶ ጥራሕ ይኣትው ከምዘሎ ኣብሪሁ።